ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውዕል ምቁራፅ ተኲሲ ደቡብ ሱዳን ተፈሪሙ


መድረኽ ልዝብ ደቡብ ሱዳን
መድረኽ ልዝብ ደቡብ ሱዳን
መንግስቲን ተቃወምቲን ደቡብ ሱዳን ሎሚ ሓሙስ ምሸት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንውዕል ምቁራፅ ኲናት ፈሪሞም።

ብመሰረት‘ቲ ውዕል፣እቲ ንሰሙናት ዝዘለቀ ተኲሲን ግጭትን ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ደው ክብል ኣለዎ።

ብዛዕባ‘ቲ ውዕል ንቪኦኤ ሪኢቶ ዝሃቡ ምንስትር ወፃኢ ደቡብ ሱዳን በርናባ ማርየል ቤንጃሚን “ምኽታም‘ቲ ውዕል፣መንግስቲ ጁባ ንዞባዊ ፃዕሪ ሰላም ከምዝተቀበለን፣ህውከት ንክዓርፍን ሰላም ክዓስልን ዘለዎ ተገዳስነት ዘርኢ‘ዩ” ኢሎም።

መራሒ ተቃወምቲ ደቡብ ሱዳን ሪክ መቻር ብመንግስቲ ዝተኣሰሩ ብፆቶም ክሳብ ዘይተፈትሑ ንሰነድ ሰላም ኣይፍርምን ከምዝበሉ ዝዝከር‘ዩ።ሚስተር በርናባ ግና፣ምፍራም‘ቲ ውዕል ኣዎንታዊ ስዳሮ ክብሉ ገሊፆምዎ።

ብዛዕባ ተኣሲሮም ዘለው ክዛረቡ ከለው፣እቲ ውዕል ብዛዕባኦም‘ውን ከምዝጠቅስን፣እቲ ምስሕሓብ ፖለቲካዊ መዕለቢ ክረክብ ይኽእል‘ዩ ኢሎም።

ነቲ መስርሕ ሰላም ዘሳለጠ በይነ መንግስታት ምብራቅ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ምኳኑ ዝዝከር‘ዩ።
XS
SM
MD
LG