ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ተራድኦ ጀርመን ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ንሰራሕተኛታቱ ከምዘፈራርሑ ከሲሱ


ፋይል
ፋይል

ትካል ተራድኦ ጀርመን ሓለዋ ዶብ ሊብያ ነቶም ካብ ማእከላይ ባሕሪ ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ከድሕኑ ይፍትኑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታቱ ኣፈራሪሖሞም ክብል ከሲሱ።

ትካል ተራድኦ ጀርመን(ኤስ.ኦ.ኤስ) ኣብ መግለጺኡ ‘ሰራሕተኛታቱ ቀዳም አብ ባሕሪ ማእከላይ ባሕሪ ስርሒት ህይወት ምድሓን ኣብ ዘካይድሉ ዝነበሩ፣ ወትሃደራት ሊብያ ህውከት ፈጢሮም ተኹሲ’ውን ከምዝኸፈቱን ሓቢሩ።

እቲ ትካል ወሲኹ ኣብ ሰለስተ ጀላቡ ዝነበሩን ናብ ኣውሮጳ ንክሰግሩ ይጓዙን ዝነበሩ ስደተኛታት፣ ናብ’ቲ ባሕሪ ንክዘሉ ከምዝተገደዱን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ን77 ስደተኛታት ከምዘድሐነን፣ መብዛሕተኦም ናብ ሊብያዊያን ሓለውቲ ወሰን ዝቆጻጸርዋ መርከብ ከምዝሰገሩ፣ ብሰንኩ ድማ ብውሑድ ሽዱሽተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ-ቤት ከምዝተበታተኑን እቲ ትካል ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG