ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ቅኒት መዝሙር ሰላም ንህዝቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን' ኣኼብኡ ኣቃኒዑ


ኣኼባ ሰለብሪቲ ኢቨንትስ
ኣኼባ ሰለብሪቲ ኢቨንትስ

‘ሰለብሪቲይ ኢቨንትስ ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ኣዲሳበባ ዘሳለጦ ፈላማይ ኣኼባ ኢትዮጵያዊያንን ኤርትራዊያን ብቕድሚት ሳሓባይ ብድሕሪት ደፋኣይ ዘይብሉ፣ ኣብ ክንድኡ ኣብ ድለየት ሰላም ክልቲኦም ህዝቢታት ዝተመርኮሰ’ዩ’ ይብሉ ተሳተፍቲ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ።

‘እቲ ዝምድናታት ንጹር መታን ክኾን ንሕና ኤርትራዊያን ብዛዕባ ሰላምን ጽቡቕ ዝምድናን ክልቲኡ ህዝቢታት ንግደስ ብወለንታና ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ክንሳተፍ ፈቃደኛታት ዝኾና ሰባት ኢና’ ይብል ኣቶ ይስሃቅ ዮሴፍ ብተርኡ።

ኣቶ ሃፍቶም ብወገኑ ‘ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ሆቴል ሓርነት ዝተካየደ ኣኼባ ወከልቲ ክልቲኦም ህዝቢታት ንዓለም ዘፍለጥናሉ ጊዜ’ዩ ነይሩ። ናይ ነዊሕ ጊዜ ተበግሶ’ምበር ናይ ኣፍ-ኣርክቡ ስራሕ ኣይኮነን’ በለ።

‘ቅኒት መዝሚር ሰላም ንክልቲኡ ህዝቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ስለስተ ምዕራፋት ዘለዎ፣ እቲ ቀዳማይ ኮንሰርት ሙዚቃን መድረኽ ምምይያጥን፣ ካልኣይ ትካል ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ቆይሙ እማመ ሰላም ክሳዕ ምድላው፣ እቲ ሳልሳይ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም መንግስታት ዘሎ ጸገም ተረዲእካ ፍታሕ ምስተረኸበ እቲ ዝምድናታት ናብ ንቡር ንክምለስ ምሰራሕ’ ዝብል’ዩ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:12:22 0:00

XS
SM
MD
LG