ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማልያ ንደብዳብ ነፈርቲ ኣሜሪካ ፀረ ሸባብ ደጊፉ


 ፕረዚደንት ሶማልያ
ፕረዚደንት ሶማልያ

ኣሜሪካ ኣንፃር ኣል-ሸባብ ንዝፈፀመቶ ደብዳብ ከምዝድግፍ መንግስቲ ሶማልያ ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ኣሜሪካ፣ንቁፅሪ ሓደ መራሒ ሸባብ ኣሕመድ ዓብዲ ጎዳኔ ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ ፈፂመ ከምዝበለ ዝዝከር‘ዩ።ጎዳኔ ተቀቲሉ እንተኾይኑ ግና ዛጊድ ፅፁይ ሓበሬታ ኣይተረኸበን።

ኣብ ሞቃዲሾ መግለፂ ዝሃቡ መራሕቲ ሶማልያ፣ብዛዕባ‘ቲ ደብዳብ ህፁፅ ኣኼባ ፀዊዖም ተዘራሪቦም‘ለው።

ድሕሪ ኣኼበኦም ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ፣ዝድገፍ መጥቃዕቲ‘ዩ ኢሎም። መንግስታዊ ወሃቢ ቃል ሬድዋን ሓጂ ዓብዲዋሌ፣ኣብ ልዕሊ ሸባብ ዝፍፀም ኩሉ ዓይነት መጥቃዕቲ ዝድገፍ‘ዩ ኢሉ፣

“ዒላማ‘ቲ ደብዳብ ቀንዲ መራሒ ኣል-ሸባብ‘ዩ።እቲ መጥቃዕቲ ክቅፅል‘ዩ። ምኽንያቱ፣ነዛ ሃገር‘ዚኣ ዘማሕድር መንግስቲ ሶማልያ‘ምበር ከም ኣል-ሸባብ ዝኣምሰሉ ጉጅለታት ፈጠርቲ ራዕዲ ኣይኮኑን“ ይብል።

ኣል-ሸባብ ብጠንቂ‘ቲ ደብዳብ መራሒኡ ኣሕመድ ዓብዲ ጎዳኔ ተቀቲሉ እንተኾይኑ መረጋገፂ ኣይሃበን ዘሎ።እንተሞይቱ ግና ንኣል-ሸባብ ከቢድ ኪሳራ‘ዩ።

ብጠንቂ‘ቲ ደብዳብ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ብውሑድ ሽዱሽተ ሰባት ተቀቲሎም‘ለው።

ሓይሊ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ኣብ‘ዚ ቀረባ ወፍሪ ውቅያኖስ ህንዲ ንዝተባሃለ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ከፊቱ‘ሎ።ዕላማ‘ቲ ወፍሪ፣ኣል-ሸባብ ዝጥቀመሎም ወደባት ምምንዛዕን ንገንዘባዊ ምንጭታቱ ምምንጣልን ዝብል‘ዩ።

ተጠባባቂ ኣዛዚ ሰራዊት ሶማልያ ጀነራል ዓብዲራዚቅ ከሊፋ ኢልሚ ብወገኖም፣እቲ ወፍሪ ንኣል-ሸባብ ክሽምርሮን ንቡር ህይወት ናብ ሰፊሕ ግዝታት ሶማልያ ክምልስን‘ዩ ምስ በሉ “ህዝቢ ሶማልያ ኣንፃር ኣል-ሸባብ ስለዝተላዓለ፣ሓቢርና ተላዒልና ኣለና። ምኽንያቱ ንሕና‘ውን ከም ካልእ ህዝቢ ንቡር ህይወት ክህልወና ኢና ንምነ።ደቅናን ደቂ-ደቂናን‘ውን ብሰላምን ናፃ ኮይኖምን ክነብሩ ኢና ንደሊ“ኢሎም።

ኣል-ሸባብ ይቆፃፀሮም ካብ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ከተማታትን ሰፊሕ ግዝኣትን ሶማልያ ተደፊኡ ወፂኡ‘ዩ።ሎሚ‘ውን እንተኾነ ግና ኣብ ሞቃዲሾ ጥቅዓት ኣብ ምፍፃም ይርከብ።ንቤተ-መንግስቲ ክልተ ጊዜ ኣጥቂዑ፣ ንሽዱሽተ ኣባላት ፓርላማ ቀቲሉ‘ዩ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ንኣሕመድ ጎዳኔ ኣሸባሪ ኢሉ፣ጎዳኔ ናይ ኢዱ ንክረክብ ንዝሓገዘ ዝኾነ ሰብ ክሳብ ሸውዓተ ሚልዮን ዶላር ሽልማት ከምዝሽልም ካብ ዝገልፅ ቀንዩ‘ሎ።

XS
SM
MD
LG