ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደጋ ጥምየት ዘንጸላለዋ ሶማሊላንድ ፕሮግራማት ልምዓት ደው ከምዘበለት ኣፍሊጣ


መጋቢት 15, 2017.
መጋቢት 15, 2017.

ናይ ዓጸቦ ሓደጋ ዘንፀላለዋ ሶማሊላንድ ፕሮግራማት ልምዓት ደው ከምዘበለት ኣፍሊጣ።መንግስቲ ብወገኑ ንዘጋጠመ ከቢድ ድርቂ ንምምካት ገንዘብ ከምዝደሊ ሓቢሩ’ሎ።

ሰበስልጣን ሶማሊላንድ ኣብታ ንርእሳ ርእሳ ዘግለለት ሪፓብሊክ ሶማሊላንድ ዓፀቦ የንጸላልዎ ከምዘሎ ይገልፁ ኣለው።ብሰንኪ’ዚ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ምሟቶምን ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ድማ መብዛሕቲአን እንስሳት ዘጥፍአን ሕሱም ድርቂ ምክንያት ፕሮግራማት ልምዓት ደው ኣቢሎም’ለው።

ምኽትል ፕረዝደንት ሶማሊላንድ ዓብዲራሕማን ዓብዱላሂ ሰይሊሲ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ድርቂ እናብኣሰ ይኽየድ ስለዘሎ ሓደጋ ዓፀቦ ዝለዓለ ስግኣት ኮይኑ’ሎ ኢሎም።

ሓደጋ ጥምየት ዘንጸላለዋ ሶማሊላንድ ፕሮግራማት ልምዓት ደው ከምዘበለት ኣፍሊጣ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:35 0:00

“ናብ ዓፀቦ ተፀጊዕና ኣለና።ብናትና ገምጋምን ብገምጋም ትካላት ረድኤትን ኣብ ዞባታት ምብራቓዊ ሶማሊላንድ ዓፀቦ ክእወጅ ምቅርራብ ይግበር ኣሎ።ምኽንያቱ ትፅቢት ዝገበርናሉ እዋናዊ ዝናብ ስለዘይጀመረ ሕፅረት ማይ ኣጋጢሙ ሰባት እንስሳቶም ይስእኑ ኣለው” ኢሎም።

እቶም ምኽትል ፕሬዝዳንት ቁጠባ እታ ሃገር ብሰንኪ ድርቂ ኣዚዩ ስለዝተሃሰየ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ንምምካት ኣዚዩ ሒደት ፀጋታት ከምዘሎ ወሲኾም ገሊፆም ።

ምኽትል ፕረዝደንት ሶማሊላንድ ዓብዲራሕማን ዓብዱላሂ በጀት ንምቁፅፃርን እቲ ቕልውላው እንተድኣ ብኢሱ ናይ ልምዓት ፕሮግራማት ደው ንምባልን ወሲና ኣለና ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘ብሰንኪ ድርቂ ብዙሓት ሰባት ክሞቱ እዮም ዝብል ስግኣት ስለዘሎ ህንፀት ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት ደው ንምባል ወሲና ኣለና።ብሰንኪ ድርቅን ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ እንልእኸን እንስሳት ማዕቐብ ስለዝገበረትን በጀትና ተተንኪፉ እዩ’’ ኢሎም።

ስለዝኾነ ድማ ገንዘብ ናብ ስራሃቲ ኣድሕን ህይወት ንምውዳብ ወሲና ኣለና ኢሎም።

ነበርቲ ብወገኖም ቅድሚ ሎሚ ከምዚ ዝበለ ድርቂ ኣጋጢሙና ኣይፈልጥን ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG