ዋሽንግተን —
ኣብ ሶማሊላንድ ምቑጻር ድምጺ ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን ሰለስቲኦም ፕረዚደንታዊ ሕጹያት ንውጽኢት ምርጫ ክቕበሉ ምዕራባዉያን ዲፕሎማት ይጽውዑ`ለዉ። እቶም ዲፕሎማት ነቲ ደሞክራሲያዊ መስርሕ ንምዕዛብ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ን30 መደበራት ምርጫ ከም ዝበጽሑ ሓቢሮም ኣለዉ። መባእታዊ ውጽኢት ዝመጽእ ሰሙን ክፍለጥ ትጽቢት ይግበር።
እቶም ካብ ኣመሪካ: እንግሊዝ: ጀርመን: ስዊድንን ካልኦት ሓሙሽተ ሃገራትን ዝመጹ ዲፕሎማት፡ ንኮሚሽን ምርጫ ሶማሊላንድ ብምንኣድ ካብ ምዝገባ ጀሚሩ ክሳብ ምምራጽ ናጻን ዘይወገናውን እዩ ኔሩ ኢሎም።
ኣብቲ ካብ 2003 ጀሚሩ ንራብዓይ ግዚኡ ዝካየድ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ልዕሊ 1.2 ሚልየን ሰባት ተመዝጊቦም ኣለው ። ሶማሊላንድ ኣብ 1991 ካብቲ ዝተረፈ ሶማልያ ተፈንጪላ`ያ- እንተኾነ ዓለማዊ ኣፍልጦ ኣይረኽበትን። ሶማልያ ሕጂ`ውን ኣካላ ምዃና እያ ትፈልጥ።
ቅጥዒ