ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልላት ኦሮምያን ሶማሌን ንጠንቂ ግጭትን ቅትለትን ሓደ ነቲ ካልእ ይኸስስ


ምምሕዳራዊ ክልላት ኢትዮጵያ
ምምሕዳራዊ ክልላት ኢትዮጵያ

ኣብ ሞንጎ ጎረባብቲ ክልላት ኦሮምያን ሶማሌን ብሰንኪ ዝተፈጸሙ ጥቅዓት፣ ኣብ ከተማ ኣወዳይ ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝተቐትሉን ካልኦት እውን ከምዝተፈናቐሉን ተፈሊጡ። ሎሚ’ውን ክልቲኦም ክልላት ዝተፈላለየ ጠንቂታትን ሳዕቤንን ይገልጹ።

ሓላፊ ክፍሊ ርክብ ህዝቢ ክልል ሶማሌ ኣቶ እድሪስ እስማኤል ንቪኦኤ ክዛረብ ከሎ ሓምሳ ሰባት ተቐቲሎምና ክብል ከሎ፣ ናይ ክልል ኦሮምያ መዘንኡ ኣቶ ኣዲሱ ኣረጋ እቲ ቕትለት ምፍጻሙ ኣረጋጊጹ 18 ምኻኑን ካብ ሞንጎኦም እቶም 12 ካብ ክልል ሶማሌ እቶም 6 ኦሮሞቶት’ዮም ኢሉ።

እቶም ጥቕዓታት ይፍጸሙ ዘለው ብፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ሶማሌ’ዩ ንዝባሃል ሓበሬታ ዝነጸገ ወሃቢ ቃል ክልል ሶማሌ ኣቶ እድሪስ ‘ንፖሊስ’ቲ ክልል ተጠቒሙ ንኩሉ ዝመርሕ ዘሎ ፕረዚደንት’ቲ ክልል ኣቶ ለማ መገርሳ፣ ኣቶ ኣዲሱ ረጋሳ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ፣ ሓይሊ ጸጥታ’ቲ ክልል ብሕልፊ ንጸላም ዕለት ኢልና ንዝክራ ዘለና 2 መስከረም ዝተፈጸመ ቅትለት ዝመርሐ ሓላፊ ዞባ ሃረር ኣቶ መላኩ’ዮም’ ኢሉ ብገበን ጅምላዊ ህልቂት ነቒፉ።

ኣቶ ኣዲሱ ኣረጋ ግና እዚ መርገጺ ክልል ሶማሌ’ዩ ኢለ ኣይቅበልን ኢሉ ነቲ ክሲ ነጺግዎ’ሎ። ‘እዚ መርገጺ ክልል ሶማሌ’ዩ ኢለ ኣይኣምንን። እዚ ካብ ኣቶ እስማኤል ናይ ውልቂ ባህሪ፣ ካብ ምህዋኽን ንነገራት ኣዕምቕካ ካብ ዘይምርኣይ ካብ ምንኣስ ብቕዓትን ዝብገስ ጸገም’ዩ። እዚ ብገበን ዘሕትት’ውን’ዩ’ ኢሉ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:26 0:00

XS
SM
MD
LG