ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሳልሳይ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ሶማሊላንድ ይካየድ ኣሎ


ፋይል- ምርጫ ሶማሊላንድ 2012
ፋይል- ምርጫ ሶማሊላንድ 2012

ኣብታ ብገዛእ ርእሳ ናጽነት ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ንሳልሳይ ግዜ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ይካየድ ኣሎ።

ወኪል ጋዜጠኛ ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ቋንቋ ሶማል ድምጾም ዝህቡ ሰባት ካብ ሰዓታት ወጋሕታ ሰዓት 3፡00 ጀሚሮም ኣብ መድመጺ ኑቕጣታት ተሰሪዖም ከምዝተራእዩ ሓቢሩ።

ኮሚሽን ምርጫ ሶማሊላንድ ንጽጉማትን ብዕድመ ዝደፍኡ ቀዳምነት ክወሃቦም ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ።ኣስታት 1,642 መድመጺ ኑቕጣታት ከምዝተዳለው’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

መበል ሳልሳይ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ሶማሊላንድ ተጀሚሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:07 0:00

ይኹን ደአ እምበር ልዑል ጸጥታ ከምዘሎን ሓይልታት ጸጥታ ብወገኖም ህዝቢ ኣብ ምውሃብ ድምጺ ጥራይ ከተኹር የተባብዑ ኣለው።

ሓላፊ ሰራዊት ሶማሊላንድ ጀነራል ኑህ ኢስማዒል ታኒ “ኣብ ውሽጢ ኾነ ኣብ ደገ ዘሎ ጸጥታ ልዑል ምኳኑ ንህዝቢ ከነፍልጥ ንደልይ፡ ብሰላም ክድቕሱ፡ ናብርኦም ክገብሩን ህይወቶም ብሰላም ከካይዱ ንላበው፡ ሓላፍነትና ብዝግባእ ከንሰርሕ ኢና” ኢሎም።

ካብ 27 ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣውሮጳ፡ኤስያ፡ኣሜሪካን ካናዳን ዝተዋጽኡ ኣስታት 60 አባላት ዘለውዎ ዓለምለኸ ጉጅለ ንምኽትታትል እቲ ምርጫ ናብ ሶማሊላንድ ኣትዮም ኣለው።

ሓላፊ እታ ጉጅለ ሚቸል ዎልስ “ እቲ ምርጫ ብሰላም ክዛዘም ተስፋ ንገብር’ ኢለን።

ኣስታት 700,000 ሰባት ድምጾም ክህቡ ዝተመዝገቡ ክኾኑ ከለው ኣብ 1991 ዓ.ም ካብ ሶማል ንዝተነጸለት ሶማሊላንድ መበል ሓሙሻይ ፕረዝደንት ኮይኖም ንምምራሕ ሰለስተ ተወዳደርቲ ቀሪቦም ኣለው። ኮማንደር ተቓወምቲ ነበር ድሒሮም ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ሶማሊላንድ ዝኾኑ ሙሳ ቢሂ ፡ ወሃቢ ቃል ፓርላማ ሶማሊላንድ ዓብዲራህማን መሃመድ ዓብዱላሂን ገዲም መራሒ ተቓዋምቲ ፋይሳ ዓሊ ዋርባ እቶም ቀንዲ ተወዳደርቲ መበል ሳልሳይ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ሶማሊላንድ እዮም።

ሰበ ስልጣን ሶማሊላንድ መድመጺ ኑቕጣ ድሕሪ ምዕጻዎም ሰዓት 6፡00 ድሕሪ ቐትሪ ንማህበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ከምዝዓጽው እዚ ድማ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ካብ ምዝርጋሕ ንምኽልካል ምኳኑ ብምግላጽ ምዕጻው እዘን መራኸቢታት ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ መዓልታት ክቕጽል ከምዝኽእል ሓቢሮም ኣለው።

መበል ሳልሳይ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ሶማል ኣብ 2015 ዓ.ም ክካየድ ተወጢኑ እንተነበረ ብሰንኪ ደርቂን ፖለቲካዊን ቁጠባዊ እንቕፋታት ክመሓላለፍ ምጽንሑ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG