ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ዓቀብቲ ሰላም ሕብረት ኣፍሪካን ሱማሊያን 10ይቲ ከተማ ካብ ኣል-ሽበባ መንዚዖም


ሶማሊያ
ሶማሊያ
ሓይልታት ዓቀብቲ ሰላም ሕብረት ኣፍሪካ /ብኣህፁተ ቃል ኣሚሶምን/ ሱማሊያን ኣብ ማእኸላይ ሱማሊያ ንእትርከብ ከተማ ኤል-ቡር ካብ ኣል-ሸባብ መንዚዖም።እዚ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ይፍፀሙ ዘለው ተኸታታሊ መጥቓዕትታት ዳሕረዋይ ገስጋስ እዩ።

ኣሚሶም ሎማዕንቲ ረቡዕ ከምዝገለፆ ሓይልታት ጥምረት ካብ ከተማ ሞቓድሾ ንኣንፈት ሰሜን ምብራቕ 350 ኪሎ ሜትር ሪሒቓ ንእትርከብ ከተማ ተቖፃፂሮምዋ ኢሎም።
ሓይልታት ጥምረት ናብ ኤል-ቡር ይግስግሱ ኣብዝነበርሉ እዋን ብዙሕ ግዜ ብዕጡቓት ኣል-ሸባብ ናይ ድቢያ መጥቓዕትታት ኣጋጢሙዎም ከምዝነበረን እቶም ወታደራት ግን ንቶም መጥቓዕትታት ከምዝመለሱዎምን እቲ መግለፂ ይሕብር።

ምኽትል ዋና ኣማሓዳሪ ዓብዲሓኪም ዓብዱላሂ ዋርሳም ንቪኦኤ ክፍሊ ሱማሊኛ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ኣል-ሸባብ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ናብታ ከተማ ተመሊሱ ኣይመፅእን ኢሎም።
ሓይልታት ጥምረት ኣንፃር ምስ ኣል-ቃይዳ ምትእስሳስር ዘለዎ ኣል-ሸባብ መጥቓዕቲ ካብ ዝጅምሩ ዛጊድ ን10 ቀንዲ ከተማታት ነፃ ምውፅኦም እቲ መግለፂ ይሕብር።
XS
SM
MD
LG