ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል፤ ብደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝውነን መሓውር ዜና ንዘይልሙድ ዛዕባታት ሕብረተሰብ ይድህስስ


ሶማል፤ ብደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝውነን መሓውር ዜና ንዘይልሙድ ዛዕባታት ሕብረተሰብ ይድህስስ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:09 0:00

ሶማል፤ ብደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝውነን መሓውር ዜና ንዘይልሙድ ዛዕባታት ሕብረተሰብ ይድህስስ

ኣብ ሶማል ሓደ ብደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝውነን መሓውር ዜና ኣብቲ ሕብረተሰብ ብነውሪ ዝፍለጡ ዛዕባታት ግንዛበ ኣብ ምፍጣር ርኡይ ግደ ይፃወት ኣሎ ክብል ሮይተርስ ይሕብር።

ፋቲ መሓመድ ኣሕመድ ብደቂ ኣንስትዪ ጥራሕ ዝካየድ ኣብ ሶማል ፈላማይን ብሕታውን ክፍሊ ዜና ከምዝመርሕ ክዛረብ ከለኹ መብዛሕትኡ ጊዜ ሰባት ይስሕቁ'ዮም ትብል። እታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንሪፖርተራት ካብቶም ሓደገኛ ዝበሃላ ከባብታት ዓለም ሓንቲ እያ። ፋቲ መሓመድ 'ቢላን' ተባሂሉ ናይ ዝፅዋዕ መሓውር ዜና ላዕለወይቲ ኣሰናዳኢት እያ።

ዛጊት ኣብቲ ናብ 18 ኣዋርሕ ዝፅጋዕ ዘሎ ዕድመ ስራሕ 'ቢላን' ኣብ ሶማል ኣዝዮም ዘይተለምዱ ንኸም ኣፋውስ ለበዳ ንደቂ ኣንስትዮ፣ ብዛዕባ ኤችኣይቪን ምስ ወርሓዊ ፅግትያ ተተሓሒዙ ኣብ ዝስርሓን ዝረኣ ኣድልዎን ሽቑራራን ሓዊሱ ብዙሓት ፈተናታት ምሕላፋ ትገልፅ።

“ኣብ መዓልታዊ መደብና ጠመተ እንገብረሉ ጉዳይ ባዕልና ኢና ንመርፆ ምኽንያቱ ሶማልያውያን ንፈልጦም ኢና። ምስ ፆታዊ ጉዳያት ተኣሳሲሩ ዝለዓሉ ጉዳያት ነውሪ እዩ። ብዛዕባ ንደቂ ኣንስትዮ ዝምልከቱ ጉዳያት ክዘራረቡ ኣይደልዩን። ንኣብነት ንምልክታትን ዝፍጠሩ ስምዒታትን ጉርዝውና፣ ወርሓዊ ፅግያት ዝበሉ ዛዕባታት።ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ንቡር ምልክታትን ስምዒታትን ኣንስተይቲ ዝምህረን የለን። ከምዚ ዝበሉ ዛዕባታት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣስተምህሮ ኣይወሃብን። ኣደታት’ውን ብዛዕባ'ዚ ምስ ምስ ደቀን ኣየዋግዓን። ንሕና ግን ንምህሮም ከምኡ ዝበለ ኩነታት ከጋጥመን ከሎ ድማ ኣይስንብዳንን ኣይፈርሓን።”

ኣብ ፈለማ እዚ ዓመት ኣብ ዝፈነውናዮ ንወርሓዊ ፅግያት ስዒቡ ዝመፅእ ፀለመን ምግላልን ዘዘንትው ታሪኽ ሓደ ካብቶም ኣዘራራቢ ዝነበሩ መደባት ናይ’ቲ ዓመት ኮይኑ እዩ።

“ኣብ መፈማ ፀገማተይ ንመምህረይ ንምዝራብ ይፈርሕ ብምንባረይ ክገልፆ ይፅገም ነይረ። ሓደ እዋን ግን ደፊረ ከይደ ነጊረያ። ሽዑ እቲ ሓበሬታ ናብቲ ርእሰ መምህር በፂሑ። ብኸምኡ ድማ ክፍታሕ ክኢሉ”ትብል ነቲ መደብ ዝሰምዓት ጓል 19 ተምሃሪት ማርያ ዓብዱላሂ።

እቲ ታሪኽ ሚኒስትሪ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ጉዳይ ብሓንሳብ ክንሰርሕን ወፍሪ ከነካይድን ሓሳብ ከቕርባለን ዝገበረ ኮይኑ ከምኡ’ውን እንተወሓደ ቀልቢ ሓደ ሸኽ’ውን ስሒቡ ኣሎ። እዚ ካብ’ቶም መብዛሕትኡ ግዘ ኣብ ማሕበረሰብ ሶማል ዓቃባዊ ኣራእያታት ሒዙ ዝረአ እስላማዊ ጉጅለ እዩ።

ሸኽ ዓብዲ ሃዪ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ዝርርከብ ሓደ መስጊድ ከባቢያዊ ሰባኺ እዮም።ንሶም “ኣዋልድ ወርሓዊ ፅግያት ኣብ ኮለጅ ኮነ ኣብ ካልኦትደረጃ ትምህርቲ ከለዋ የጋጥመን። በዚ ድማ ብዙሓት ፀገማት የጋጥምወን። ስለዝኾነ ቀዲመን ኣፍልጦ ክህልወንን ኣዋልድ ከመይ ፅርየተን ክሕልዋ ከምዝግባእ ምግባር ክፍኣት የብሉን። ንሳተን’ውን ከም ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ዝህልወን ንቡር ተፈጥሮኣዊ ዝኾነ ነገር ምኻኑ ይርድኣ”ይብሉ።

'ቢላን' ብፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ሓገዝ ዝግበረላ ኾይኑ እዚ ዓወት ግን ንፋቲን መሳርሕታን ብቐሊሉ ዝተረኽበ ኣይኮነን።

ሶማል ኣብ ኣፍሪቃ ካብተን ንጋዜጠኛታት ሓደገኛ ዝኾና ሃገር እያ። ከም ሓበሬታ ዶብ ኣልቦ ሪፖርተራት ካብ 2010 ጀሚሩ ልዕሊ50 ዝኾና ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም።

ፋቲ ከም መጠን ዓሙቕ ተባዕታዊ ልዕልና ስልጣን ዝተቖፃፀርሉ ማሕበረሰባዊ ከባቢ ሓደ ሓደ ሶማልያውያን ኣብ ኣደባባይ ብዛዕባ ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ንምዝታይ ክፅገሙ ንዕዘብ ትብል ። ይኹን’ምበር ንሳን ጉጅለኣን ግን ተስፋ ብዘይምቑራፅ ፃዕረን ቀፂለ ይርከባ።

“ታሪክና ኣብቲ እንደልዮ በፂሑ ይርከብ ብምዃኑ ስጋብ ህዝቢ ዝለምዶን ከም ንቡር ስጋብ ዝርእዮን ከምዚ ዝበሉ ታሪኻት ምስራሕና ክንቅፅል ኢና” ትብል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG