ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ሶማል ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሃገሩ ከብቅዕ ሓቲቱ


ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማል፡ እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ተልእኾ ምትሕግጋዝ ምዕቃብ ሰላምን ህንጸት ደሞክራሲን ከብቅዕ ናብ ሕቡራት ሃገራት ደብዳበ ጽሒፉ። ብመሰረት እቲ ደብዳብ፡ እቲ 360-ኣባላት ዝሓዘ ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ዕድመ ጻንሒቱ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ምስ ኣብቅዐ ጠቕሊሉ ክወጽእ ዝሓትት’ዩ።

እዚ ናይ ምትሕግጋዝ ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ካብቲ 10-ሽሕ ዝሓዘ ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝፍለ’ዩ።

እንተዀነ እቲ ዓመታዊ ወጻኢታቱ ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ዝህቦ ኣገልግሎት ግዜኡ ከም ዘእከለ ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ መንግስቲ ሶማል ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ናይ ቀረባ ተንተንቲ፡ እቲ ፖለቲካዊ ተልእኾ ኣብ ዘቤታዊ ፖለቲካ ሶማል ምትእትታው ምጅማሩ የመልክቱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG