ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተንተንቲ ኣብ ግብረ ሽበራ ዝተዋፈሩ ኣሜሪካዊያን ተወሳኺ መጥቓዕቲ ክፍፅሙ ትፅቢት ይገብሩ


መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ዜጋታቱ ምስ ኣል-ሸባብ ምስላፎም ዋላ እንተፈለጠ’ውን ጠጠው ንኸብሎ ከምዘፀግመሉ’ውን ይዛረቡ

ናይ ኣፍሪካ ተንተንቲ ኣል-ሸባብ ኣብ ቀረባ ኣብ ሱማሊያ ዘካየዶ ዓርሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ነቲ መጥቓዕቲ ካብዝፈፀሙ እቲ ሓደ ኣሜሪካዊያን ምዃኑ ከምዘየግረመሎም ይገልፁ።እቶም ተንተንቲ ኣብ ግብረ ሽበራ ካብ ዝተዋፍሩ ኣሜሪካዊያን ተወሳኺ መጥቓዕቲ ትፅቢት ይገብሩ።

ደገፍቲ ኣል-ሸባብ ዝኾና ሚዲያታትን ናይ ቀደም ዓርኪ እቲ ዓርሰ ቕትለታዊን ከምዝሓበርዎ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ሞቓድሾ ዓርሰ ቕተለታዊ መጥቓዕቲ ካብ መንጎ ዝፈፀሙ ክልተ ኣሸበርቲ እቲ ሓደ ዓብዲሰላም ዝተብሃለ ኣሜሪካዊ እዩ።

ንዕኡ ዝፈልጥዎ ሱማሊያዊ ኣሜሪካዊ ዓብዲሰላም ሑሴን ዓሊ ኣብ ሱማሊያ ተወሊዱ ወዲ ክልተ ዓመት እናሃለወ ናብ ኣሜሪካ ከምዝመፀ ይዛረቡ።ዓብዲሰላም ቅድሚ ኣብ 2008 ኣ/ፈ ምስዋሩ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሚኒሶታ ናይ ሕክምና ተምሃራይ ከምዝነበረ ይገልፁ።

ኣብቲ ኖቕጣ ሕብረት ኣፍሪካ ዒላማ ዝገበረ መጥቓዕቲ ዓሰረተታት ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣል-ሸባብ ገሊፁ’ሎ።ብዛዕባ ቁፅርን መንነትን እቶም ዝተቐተሉ ግን ብነፃ ኣይተረጋገፀን።

ኣብ ዋሽንግተን ዝመደብሩ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ትካል ሰላም ዝሰርሑ ዴቪድ ስሞክ ነቲ ዓርሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ዝፈፀሞ ኣሜሪካዊ ምዃኑ ኣል-ሸባብ ብዙሕ ኣቓልቦ ከምዘርክበሉ ይፈልጥ እዩ ይብሉ።

ብምቕፃል ከምዚ ይብሉ።’’ኣል-ሸባብ ናይ ቅብፀት ስጉምቲ ብምውሳድ ሕዚ’ውን ምስ ምሉእ ዓቕመይ ኣለኹ ብምባል ኣቓልቦ ንምስሓብ ክፍትኑ እዮም።ብኸምዚ ዓይነት ዓርሰ ቕትለታዊ ስጉምቲ ምስ ኣል-ቃይዳ ርክብ ዘለዎ ምዃኑ’ውን ከንፀባርቕ ይደሊ እዩ።’’ይብሉ።

ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ኣትላንቲክ ካውንስል ዝሰርሑ ጄይ ፒተር ፋም ኣል-ሸባብ ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ኣብ ሱማሊያ ዓርሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ዝፍፅሙ ካልኦት ኣሜሪካዊያን ክህልውዎ ይኽእል እዩ ይብሉ።መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ዜጋታቱ ምስ ኣል-ሸባብ ምስላፎም ዋላ እንተፈለጠ’ውን ጠጠው ንኸብሎ ከምዘፀግመሉ’ውን ይዛረቡ።

ዋላ’ውን ጥምየት እንተሃለወ፡ሰራዊት ኬንያ ወታደራዊ መጥቓዕቲ እንተፈፀሙን ኣብ ውሽጦም ምክፍፋል እንተሃለወ’ውን ሕዚ’ውን እንተኾነ እቲ ከባቢ ኣብትሕቲ ቁፅፅር ኣል-ሸባብ ይርከብ።

ሰበስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ ዓብይ ናይ ሱማሊያዊያን ማሕበረሰብ ካብዝርከብሉ ናይ ሚኒሶታ ዓባይ ከተማ ካብ ዝኾነት ምኒያፖሊስ ዝኸዱ 20 መናእሰይ ሓዊሱ 30 ዝኾኑ ኣሜሪካዊያን ኣብሱማሊያ ኣካል ኣል-ሸባብ ኮይኖም ኣለው ይብሉ።

XS
SM
MD
LG