ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይዶኣ ኣብ ኢድ መንግስቲ ኣትያ፡ቤት ምኽሪ ፀጥታ'ውን ደገፉ ይገልፅ


ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ብ6 ሽሕ ንክውስኽ ተወሲኑ

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ፣ባይዶኣ ኣብ ቁፅፅር መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን ንበዝሒ ዓቃቢ-ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ብሽዱሽተ ሽሕ፣መጠን በጀቱ ድማ ብ250 ሚልዮን ንክውስኽ ምውሳኑ፣ንፃዕሪታት ሰላምን ዕርቅን ሓጋዚ ከምዝኸውን ተገሊፁ።ንሰላም ሶማልያ ዘቋምት ኮንፈረንስ ለንደን‘ውን ተኸፊቱ።

ሰራዊት ደገፍቲ መንግስቲ ሶማልያ ብወትሃደራት ኢትዮዽያ ተሓጊዞም ብማካይንን ብታንክታትን ናብ ባይዶኣ ቅድሚ ምእታዎም እቲ ምስ ኣል-ቃይዳ ምትእስሳር ዘለዎ ኣል-ሸባብ ነታ ከተማ ገዲፎምዋ ወፂኦም‘ዮም።

ተጠባባቂ ቀ/ሚ ሶማልያ መሓመድ ኢብራሂም፣ኣል-ሸባብ ነታ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብብርቱዕ ውግእ ዝተቆፃፀርዋ ከተማ ባይዶኣ ድሕሪ ፈኩስ መጥቃዕቲ ገዲፉዋ ምውፅኡ ገሪሙኒ‘ሎ ኢሎም።

“ተዋጋእቲ ኣል-ሸባብ ከይተዋግኡ‘ዮም ሃዲሞም ይብሉ እቶም ቀ/ሚ። ኣስዒቦም፣ወትሃደራት መንግስቲ ንባይዶኣ ሙሉእ ንሙሉእ ተቆፃፂሮምዋ ከምዘለው ጠቂሶም” ይብሉ እቶም ቀ/ሚ።

ወሃቢ-ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮዽያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብወገኖም፣ ኣል-ሸባብ ካብ‘ታ ሓያል ዕርዱ ዝነበረት ባይዶኣ ምውፅኡ ከቢድ ስዕረት ኮይኑዎ‘ሎ ይብሉ።

ኣምባሳደር ዲና “እዚ ንኣል-ሸባብ ናብ ምቅባፅ ዝወስዶ ቀዳማይ ምዕራፍ‘ዩ።ከምኡውን ንሙሉ ሶማልያ ናብ ዝተማለአ ሰላም ዘብፅሕ ወሳኒ ፍፃመ‘ዩ።እዚ ኣጋጣሚ‘ዚ ንህዝቢ ሶማልያን መላእ‘ቲ ዞባን ፅቡቅ ኣጋጣሚ‘ዩ” ኢሎም።

ቪኦኤ ብተሌፎን ዘዘራረቦም ነበርቲ ባይዶኣ፣እታ ከተማ ህድኣት ከምዘለዋ ገሊፆም‘ለው።እታ ካብ ሞቃዲሾ ብሰሜን-ምዕራብ ኣብ 250 ኪ/ሜ ርሕቀት ዘላ ባይዶኣ ስትራተጂካዊት ከተማ ምኻና እቲ ዜና ይሕብር።

ባይዶኣ ዝተማረኸት፣ቀ/ሚ እንግሊዝ ዴቪድ ካሜሩን ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዓለም-ለኸ ኮንፈረንስ ንፀገም ሶማልያ ንክኸፍቱ ሓደ መዓልቲ ምስ ተረፎ‘ዩ።ኣብ‘ቲ ኮንፈረንስ ልዕሊ ኣርባዓ መራሕቲን ወከልቲን ሃገራት ይሳተፉ‘ለው።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣15 ኣባላት ዝሓቆፈ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ፣በዝሒ ዓቃቢ-ሰላም ኣብ ሶማልያ ካብ 12 ሽሕ ናብ 18 ሽሕ ክብ ንክብል ወሲኑ።
ነቲ ዓቃቢ-ሰላም ዝምደበሉ መጠን ገንዘብ ካብ 250 ሚልዮን ዶላር ናብ 550 ሚልዮን ዶላር ክዓቢ ወሲኑ‘ሎ እቲ ቤት ምኽሪ።

ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣምባሳደር እንግሊዝ ማርክ ግራንት ድሕሪ‘ቲ ውሳነ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ፣መልእኽቲ እቲ ውሳነ ሓይልታት ሶማልያ ንምሕያል ፖለቲካዊ ተገዳስነት ከምዘሎ ከምኡውን እዋን ስግግር ሶማልያ ኣብ ነሓሰ ከምዝፍፀም ዝሓበረ‘ዩ ኢሎም።

ብዘይካ‘ዚ ዓቃቢ-ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣንፃር ኣል-ሸባብ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝኽእል ስልጣን ዝሃበ ምኻኑ ጠቂሶም።

“ንስልጣን ኣሚሶም ዘሐየለ‘ዩ።ከምኡውን ዓቃቢ-ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ (ኣሚሶም)፣ንስግኣት ኣል-ሸባብ ንምቅልባስ ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ንክወስድ ንፈለማ ጊዜ ስልጣን ዝሃበ ውሳነ‘ዩ” ይብሉ ንሶም።

ውሳነ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ፣ንኣል-ሸባብ ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ ገንዘብ ኮይንዎ ንዝፀንሐ መሸጣ ፋሓም ኣጊዱ‘ሎ።እንተኾነ እቲ ውሳነ ኣብ ማያት ሶማልያ ክውሰድ ኣለዎ ተባሂሉ ብኣሜሪካ ንዝተጠልበ ውጥን ኣይሓቆፈን። ኣምባሳደር ሱዘን ራይስ ግና እቲ ወፍሪ ሙሉእ ንክኸውን ክውሰኽ ነይራዎ ዝብል ገምጋም ነይሩወን።

ብተመሳሳሊ ዜና፣ቅድሚ ኮንፈረንስ ለንደን፣ባይዶኣ ካብ ቁፅፅር ኣል-ሸባብ ሓራ ምውፃኣ ምስ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ተደሚሩ፣ንኩነታት ፀጥታ ሶማልያ ኣዝዩ ከምዘማሓይሾ ባዓል-ስልጣን ሕብረት ኣፍሪቃ ገሊፆም።

“ባይዶኣ ኣብ ድሮ ኮንፈረንስ ለንደን ሓራ ምውፃኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ‘ዩ።ማሕበረ ሰብ ዓለም ንፃዕሪታት ሰላምን ዕርቂን ሶማልያ ከሐግዝ ከምዘለዎ ዘሕልፎ መክእኽቲ ኣሎ።ሕብረት ኣፍሪቃ፣እቲ ኮንፈረንስ ንዒላማ ሰላምን ዕርቅን ሶማልያ መእንታን ሓጋዚ ክኸውን ቅድመ ምድላዋት እናገበረ‘ዩ ፀኒሑ” ይብሉ።

ሚስተር ኣል ጋሲም ዋኔ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ፣ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኮንፈረንስ ለንደን ዝውክልዎ ፕረዚደንት ጋና ዝነበሩ ጀሪይ ራውሊንግስን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን‘ቲ ሕብረትን ምኻኖም ኣፍሊጦም።

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ፣ንበዝሒ ዓቃቢ-ሰላምን ንበጀት ኣሚሶምን ንክውስኽ ትማሊ ዘሕለፎ ውሳነ፣ንፃዕሪ ሰላም‘ታ ንኣስታት ዕስራ ዓመታት ህድኣት ርሒቁዋ ዘሎ ሶማልያ ሓጋዚ‘ዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG