ዋሽንግተን —
ትማሊ ረቡዕ 11 ጥሪ 2024 ኣልሸባብ ኣብ ዝቆጻጸሩሉ ከባቢ ብሃንደበት ድሕሪ ምዕላባ ነታ ነፋሪት ኣቃጺሎም ንተሳፈርቲ ጅሆ ዝወሰዱ ዕጡቓት ጕጅለ ኣልሸባብ፡ ነቲ ውሳነ ዘገደደ ምብልሻው ሞተር ናይታ ሄሊኮፕተር ምዃኑ ሚኒስተር ጸጥታ ሶማል ገሊጹ።
ኣብታ ሄሊኮተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሽዱሽተ ዜጋታት ካልእ ሃገርን ሓደ ሶማላዊን ምንባሩ ዘመልከቱ ሰብ-መዚ ሶማል፡ ካብቶም ተሳፈርቲ ሓደ ንምህዳም ኣብ ዝፈተነሉ ክቕተል እንከሎ፡ ሓደ ግን ደሃይ ከም ዘይብሉ ሓቢሮም። ካልኦት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ጕጅለ ኣልሸባብ ዘለዉ ኰይኖም፡ ንምፍታሖም ጻዕሪ ይግበር ከም ዘሎ ወሃብ-ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ዱጃሪክ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።
ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ነታ ሄሊኮፕተር ቅድሚ ምቅጻሎም ኣብኣ ዝነበረ ንብረት ሕክምና ከም ዝወሰዱዎ ይግለጽ። ዛጊት ግን ብዛዕባኡ መግለጺ ኣይሃቡን።
ካብ በበይኑ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዋጽኡ ኣስታት 19-ሽሕ ወታሃደራት ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ኣብ ሶማል ምህላዎም ይፍለጥ። እንተዀነ ንጉጅለ ኣልሸባብ ንምቍጽጻር ኣይከኣሉን ጥራይ ዘይኰነስ ንሓያሎ ከባቢታት ዝቆጻጸር ጕጅለ ኣብ በበይኑ ቦታታት እታ ሃገር ቀጻሊ መጥቃዕቲ ኣብ ምፍጻም ይርከብ።
ቅጥዒ