ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መሰጋገሪ መንግስቲ ሱማሊያ እዋን ስግግር ዘብቅዕ ሓድሽ እማመ ፈሪሙ


እቶም ፕሬዝዳንት፡ቀዳማይ ምንስቴርን ኣፈ ጉባኤ ፓርላማን ሱማሊያ ትፅቢት ክግበረሉ ዝፀንሐ ሃገራዊ ምርጫ ምክያድን ሓዱሽ ሕገ መንግስቲ ምፅዳቕን ሸቱኡ ዝገበረ እማመ ተፈራሪሞም ኣለው።

መሰጋገሪ መንግስቲ ሱማሊያ እዋን ስግግር ዘብቅዕ ሓድሽ እማመ ፈሪሙ

ገለ ተንተንቲ ግን ጥርጣርኦም ይገልፁ

ፌደራላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱማሊያ ነታ ሃገር ካብ ስግግር እዋን ዘውፅእ እማመ /Road Map/ ፈሪሙ።እቲ እማመ ናይ ሱማሊያ ብዙሓት ሽግራት ክፈትሕ ዝኽል ትልሚ እንትሓዘ’ውን ገለ ተዓዘብቲ ይጠራጥርዎ።

ድሕሪ ሓያሎ ፈተነታት ፌደራላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱማሊያ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ብማሕበረሰብ ዓለም ዝተውሃቦ ስልጣን ንምምላእ ናብ ምትግባር ገፁ ዘምርሕ ዘሎ ይመስል።

መሰጋገሪ መንግስቲ ሱማሊያ ናይታ ሃገር ነዊሕ ናይ ስግግር እዋን ንኸብቅዕ ዝዓለመ ናይ ሰለስተ ማዕልታት ዋዕልኡ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣጠቓሊሉ’ሎ።እቶም ፕሬዝዳንት፡ቀዳማይ ምንስቴርን ኣፈ ጉባኤ ፓርላማን ሱማሊያ ትፅቢት ክግበረሉ ዝፀንሐ ሃገራዊ ምርጫ ምክያድን ሓዱሽ ሕገ መንግስቲ ምፅዳቕን ሸቱኡ ዝገበረ እማመ ተፈራሪሞም ኣለው።

እዞም መፅብዓታት እዚኦም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ክትግበሩ’ዃ እንተነበሮም ብምኽንያት ውግእን ፓለቲካዊ ዘይምቅድዳውን ከይተተግበሩ ፀኒሖም እዮም።

እዋን ስግግር ሱማሊያ ንኸብቅዕ ዝወፀ እማመ ሰፊሕ እዩ።ኣብ ዩኒቨርስቲ ናይሮቢ ተንታኒ ጉዳይ ሱማሊያ ዝኾኑ ዓብዲወሃድ ሸኽ ዓብዲሳመድ ግን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእ ኣብግምት ብምእታው ዘይትግበር እዩ ክብሉ እምነቶም ይገልፁ።

ንሶም እዚ ፅቡቕ ሓባሪ መንገዲ’ዃ እንተኾነ ይብሉ ብምቕፃል ‘’35 ሚእታዊ ተግባራዊ ዝኸውን እቲ 65 ሚእታዊ ግን ኣብ ግብሪ ክውዕል ዘይኽእል እዩ።ኣብ ባይታ ብዘሎ ሃዋህው እዩ ዝውሰን።ሎሚ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱማሊያ ንከባቢ ሞቓድሾ ጥራሕ እዩ ዝቆፃፀር።እቲ ዝተረፈ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣል-ሸባብ ይርከብ።’’ ይብሉ።

ተወከልቲ ሕቡራት መንግስታት ብዘካየድዎ ፃዕሪ ዝተፈረመ እማመ ኣርባዕተ ቀንዲ ጉዳያት ማለት’ውን ፀጥታ፡ሕገመንግስቲ፡ፖለቲካዊ ተበፃሕነትን ዕርቅን ሰናይ ምሕደራን ዝሓቖፈ እዩ።

እቲ ሰነድ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ወርሒ ሓምለ ሓድሽ ሕገ መንግስቲ 20 ነሓሰ ድማ ፓርላመንታዊ ምርጫ ንኽካየድ ይፅውዕ።

ተዓዘብቲ ግን ሻቐሎት ንኽተሕድር እኹል ምኽንያት ኣሎ ይብሉ።ተሳታፍነት ካብ ሱማሊያ ዝተፈለያ ግዝኣታት ፑንትላንድን ጋልሙዱግን እንተሃለው’ውን ነቲ ኹነት ዝከታተሉ ሽሞም ክጥቀሱ ዘይደልዩ ተንታኒ ግን ኣብ መንጎ እቶም ከባቢታት ዘሎ ርክብ ዝሑል ምዃኑ ይገልፁ።

XS
SM
MD
LG