ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መስርሕ ምርጫ ኣባላት ፓርላማ ሶማልያ ተደናጉዩ


ኣባላት ቤት ምኽሪ ቅሬታ ኣለና ባሃልቲ ኮይኖም

ኣባላት ፓርላማ ሶማልያ ንክሓርይ ዝተመዘዘ ኣካል፣ኣብ ልዕሊ ረቂቅ ሕገ-መንግስቲ‘ታ ሃገር ስክፍታ ስለዝሓደሮ፣ኣብ እዋኑ ክእከብ ኣይካኣለን።

ካብ ዝተፈላለዩ ክፍሊ ሕ/ሰብ ሶማልያ ዝተወከሉ 825 ኣባላት ቤት ምኽሪ፣ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ሞቃዲሾ ተኣኪቦም፣ንኣባላት ፓርላማ‘ታ ሃገር ንክመርፁ መደብ ነይሩ።ይኹን‘ምበር ንዝርዝር‘ቶም ሕፁያት ኣይንገልፅን ኢሎም‘ለው።

ኣቦ-መንበር ሽማግለታት ሃውዬ መሓመድ ሓሰን ሓኣድ፣እዚ ስጉምቲ‘ዚ፣ እቶም ሽማግለታት ኣብ ልዕሊ‘ቲ መስርሕ ስግግር ፅልዋ ዘሕድሩ ኣገባብ እዩ ይብል።

ዓበይቲ ዓዲ፣ብሕልፊ ኣብ ልዕሊ‘ቲ ብምትሕብባር ሕ/መ ዝተዳለወ ሕገ-መንግስቲ ስክፍታ ኣለዎም።ደቂ-ኣነስትዮ ንዝላዓለ ስልጣን‘ታ ሃገር ክወዳደራ ይኽእላ‘የን፣ርእሰ-ከተማ ነፂሩ ዘይምቅማጡ‘ውን ከምዘዘራረቦም ሚስተር ሳኣድ ይዛረብ።ሽማግለታት፣ብዛዕባ‘ቲ ሰነድ መስርሕ ሕውስዋስ ምልክት ካብ ሕ/መ ከምዝረኸቡ‘ውን ገሊፁ።

ብዛዕባ‘ቲ መስርሕ ኣፍልጦ ዘለዎም ዲፕሎማታት ንቪኦኤ ከምዝገለፅዎ ድማ፣ኣኼባ እቲ ቤት ምኽሪ ክሳብ ዝቅፅል ዓሰርተ መዓልታት ክደናጎ‘ዩ ይብሉ።

እቶም ምንጭታት ወሲኾም፣እቲ ፓርላማ እንድሕር ተመስሪቱ፣መድረኽ ስግግር ክሳለጥን፣ኣባላት ፓርላማ ኣብ ዕስራ ነሓሰ፣ንፕረዚደንት ክመርፁ‘ዮም ዝብል ገምጋም ኣሎዎም።

XS
SM
MD
LG