ሶማል ኣብ ሃገራ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ዓቀብቲ ሰላም ከም ተውጽኦም ኣፍሊጣ። ሓደ ላዕላዋይ በዓል-ስልጣን ሶማል ትማሊ ሰኑይ ከም ዝበሎ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ምስ ሶማሊላንድ ዝፈረመቶ ኣሰሓሓቢ ውዕል ወደብ እንተዘይሰሪዛቶ፡ ኣብ ሶማል ዘለዉ ኣሸሓት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ክሳብ`ዚ መወዳእታ ዓመት ካብታ ሃገር ክወጹ`ዮም ኢሉ።
ኣብ ሶማል ኣካል ዓቃቢ-ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾኑ ብውሕዱ 3-ሺሕ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣለዉ።
ክኢላታት ጸጥታ ግን ምውጻእ`ቶም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ክፍተት ጸጥታ ፈጢሩ ተወሳኺ ዘይምርግጋእ ከስዕብ ይኽእል`ዩ ይብሉ። ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ኣለዎ ዝብሃል ኣልሸባብ`ውን ነቲ ኩነታት ክምዝምዝ ይኽእል`ዩ ይብሉ። ኣብ ሶማል ካብ 5-7 ሺሕ ዝኾኑ ዓቀብቲ ሰላም ኣለዉ።
ኢትዮጵያ 20 ኪ.ሜ ወሰን ባሕሪ ካብ ሶማሊላንድ ክትካረ፡ ከም መለስኡ ድማ ኢትዮጵያ ምናልባት ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ክትህባ ዝብል ኣሰሓሓቢ ስምምዕ ምስ ዝተገብረ ዝምድና ሞቓዲሾን ኣዲስ ኣበባን ኣብ መጀመርያ`ዚ ዓመት ክበላሾ ጀሚሩ።
ሶማሊላንድ ካብ 1991 ጀሚራ ናጻ ሃገር`የ እንተበለት`ኳ ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ግን ኣይረኸበትን። ስለዚ ድማ ሶማል: ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ምቛም ሓይሊ ባሕርን ንግዳዊ ወደብን ምስምማዕ ክትገብር ሕጋዊ ኣይኮነን ትብል ኣላ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ሶማል ሓሰን ሸኽ-ዓሊ ንሮይተርስ ክገልጽ ከሎ "እዚ ስምምዕ`ዚ ክሳብ መወዳእታ`ዚ ወርሒ ሰነ እንተዘይሰሪዞሞ፡ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ካብ ሶማል ክወጹ እዮም" ኢሉ።
"ኢትዮጵያ ብሓደ ግዜ መሻርክትን ወራሪትን ክትከውን ኣይትኽእልን`ያ" ኢሉ።
ኣብ ሶማል ዘለዉ ወተሃደራት ኢትዮጵያ መብዛሕቲኦም ኣብ ግዝኣታት ጁባላንድ ከምኡ`ውን ሒርሻበለ እዮም ዘለዉ። ብርእይቶ ሓሰን ሸኽ ዓሊ ብዙሕ ዘይተሓጎሰ ምኽትል ጁባላንድ ማሕሙድ ሰይድ ዓደን እቲ ሓዲሽ ምዕባለ ነቲ ዞባ ኣብ ከቢድ ኩነታት ከውድቖ'ዩ ዝብል ስኽፍታ ኣስሚዑ`ሎ።
ሮይተርስ ብዛዕባ`ዚ ውሳነ መንግስቲ ሶማል፡ ካብ ወሃብቲ ቓል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ሓይልታት ምክልኻሉ ርእይቶ ሓቲቱ ከም ዘይረኸበ ጠቒሱ`ሎ። ድምጺ ኣመሪካ ዝረኸቦ ወሃቢ-ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነቢዩ ተድላ `ውን ምላሽ ክህብ ኣይከኣለን።
ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣቢሉ ጠቕላሊ ሓለቓ ወተሃደራዊ ስታፍ ብርሃኑ ጁላ ምስ መንግስታዊ ሚድያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ግን ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካብ ሶማል ክወጹ ከም ዝኽእሉ ተዛሪቡ ኔሩ።
"ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሶማል እንተወጽዩ፡ እቲ ፈደራል መንግስቲ`ውን ኣብ ሞቓዲሾ ዝጸንሕ ኣይመስለንን" ዝብለ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ን60% መሬት ሶማልያ`ዩ ዝቆጻጸር ኢሉ ኔሩ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ሶማል ሓሰን ሸኽ ዓሊ ብወገኑ፡“ ኢትዮጵያ ንልኡላውነትና ግዝኣታዊ ሓድነትናን ፖለቲካዊ ናጽነትናን ምጥሓስ ክሳብ ዝቐጸለት ኣብ ሓለዋ ጸጥታ ዞባና መሓዛ እያ ኢልና ክንቆጽራ ኣይንኽእልን ኢና" ኢሉ።
ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝምወል ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ንሶማል ክሳብ መወዳእታ `ዚ ዓመት 2024 ጠቕሊሉ ካብታ ሃገር ክወጽእ ምዃኑ ክግለጽ ጸኒሑ`ዩ።ክሳብ'ዚ መወዳእታ ወርሒ ሓደ ውሕድ ዝበለ ተልእኮ ሰላም ክትካእ ትጽቢት ኣሎ። ኢትዮጵያ ካብ መንጎ`ዘን ወተሃደራት ዘዋጽኣ ሃገራት ከይትኸውን ድማ ሶማል ሓቲታ`ላ። ካልኦት ፡ ጅቡቲ ኡጋንዳ ኬንያ ብሩንዲ`የን።
ምኽትል ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማል ዓሊ ዖመር ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ነዚ ሕጂ ዘሎ ፖለቲካዊ ሃዋህው ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣካል`ቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ተልእኮ ክኸውን ኣይክእልን`ዩ" ኢሉ።
ቅጥዒ