ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀንዲ ፖለቲካዊ ተነሓናሕቲ ሱማሊያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከካይድዎ ዝቐነዩ ኣኼባ ዛዚሞም


ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ብዘገርም ምርድዳእ ተኻይዱ ይብሉ

ቀንዲ ፖለቲካዊ ተነሓናሕቲ ሱማሊያ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ማዕልታት ውዕውዕ ዝርርብ ዝቕፅል ነሓሰ ዝጅምር ድህረ-መሰጋገሪ መንግስቲ ንዝህሊ ፖለቲካዊ ከይዲ ድልዋት ምዃኖም ብምግላፅ ኣኼብኦም ዛዚሞም።

ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ እቲ ብሕቡራት መንግስታት ዝተመወለ ዝርርብ ሱማሊያ ዘለውዋ ብርክት ዝበሉ ኣሰሓሐብቲ ጉዳያት ኣብ ግምት ብምእታው ብዘገርም ምርድዳእ ከምዝተኻየደ ሓቢሮም።

ኣብ መወዳእታ እቲ ኣኼባ እቶም ሽዱሽተ ወገናት እቶም ከበድቲ ዛዕባታት ንኽፀንሑ ተሰማሚዖም ኣለው።መብዛሕቲኦም ካብ 90 ማዕልታት ኣብ ዝነኣሰ ግዜ ድህረ-መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ሓዊሱ ኣብ ከበድቲ ዘይኮኑ ጉዳያት ተሰማሚዖም ኣለው።

ነቲ ብግዜ ሰሌዳ ዝተቐመጠ እማመ ኣንቀሳቓሲ ሓይሊ ተባሂሎም ዝእመነሎም ቀዳማይ ምንስቴር መሰጋገሪ መንግስቲ ሱማሊያ ዓብዲ ወሊ መሓመድ ዓሊ ኩሎም ወገናት ሱማሊያ ዝፈሸለት ሃገር ዝብል ዝተውሃባ ሽም ንኽብቅዕ ተለዓዒሎም ኣለው ኢሎም።

ስለዝኾነ ድማ ኩሎም ወገናት መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ዝተወሰነ እዋን ንኸብቅዕ፡ ሱማሊያ ናብቲ ቀፃላይ ደረጃ ንምውሳድን ቅሩቡነቶም ኣርኢዮም ኣለው ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ እቲ ዝርርብ ዝተኸተመሉ ስምምዕ ኩሎም ወገናት ነታ ሃገር ዳግም ንምህናፅ ቅሩባት ምዃኖም እዩ።

እቲ ስምምዕ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰሙናት ናይ ወከልቲ ጉባኤ ንኽጣየሽን 10 ሓምለ ድማ ግዚያዊ ሕገ-መንግስቲ ንኽፀድቕን ይፅውዕ።ድሕሪ 10 ማዕልታት ሓዱሽ ፓርላማ ቃለ መሓላ ፈፂሙ ቅድሚ ስልጣን መሰጋገሪ መንግስቲ 20 ነሓሰ ኣ/ፈ ምብቅዑ ፕሬዝዳንት ክምረፅ እዩ።

ኣብቲ ከይዲ ስልጣኖም ዝስእኑ ፕሬዝዳንት መሰጋገሪ መንግስቲ ሸክ ሸሪፍ ኣሕመድ ኣብ መንጎ ዓሌታትን ጉጅለታትን ንዝተርአየ ሓድሽ መንፈስ ምትሕብባር ንኢዶም።

ኣብ ሱማሊያ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾኑ ናይ ጋና ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ጀሪ ራውሊንግስ ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት ሕጊ ኣልቦነትን ስቅያትን ሱማሊያ ነቲ ሓድሽ መንፈስ ናእድኦም ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG