ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ድሕሪ ጠለብ ኢጋድ ሰራዊታ ናብ ሶማልያ ንምእታው ቅሩብነታ ገሊፃ


Ethiopia's Prime Minister Meles Zenawi arrives at the 16th Extra Ordinary Summit of IGAD Heads of state meeting on Somalia, in Addis Ababa November 25, 2011. Ethiopia will deploy troops inside Somalia for a "brief period" to help Somali and Kenyan forces
Ethiopia's Prime Minister Meles Zenawi arrives at the 16th Extra Ordinary Summit of IGAD Heads of state meeting on Somalia, in Addis Ababa November 25, 2011. Ethiopia will deploy troops inside Somalia for a "brief period" to help Somali and Kenyan forces

ኢጋድ ንኤርትራ ዘውግዝ መግለፂ ብምውፃእ ኣኼብኡ ዛዚሙ

ኬንያ ንተዋጋእቲ ኣል-ሸባብ ንምህዳን ንሰሙናት ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዋ፣ሰራዊት ኢትዮዽያ ናብ ሶማልያ ከምዝሰገሩ ይዝረብ‘ሎ።ገለ ተንተን ብወገኖም፣ወፍሪ ኬንያ ክዕወት ዝኽእል፣ኢትዽያ እንተተሓባቢራ ጥራሕ‘ዩ ይብሉ።

ሪኢና ዝብሉ ሰባት ግና፣ሰራዊት ኢትዮዽያ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ናብ ሶማልያ ከምዝኣተው ገሊፆም‘ዮም።ኢትዮዽያ ነዚ ሓበሬታ ሓቂ ኣይኮነን ትብል።

ምውፋር ሰራዊት ኢትዮዽያ ናብ ሶማልያ፣ኣብ ውግእ ፀረ እቲ ምስ ኣል-ቃይዳ ምትእስሳር ዘለዎ ኣል-ሸባብ ሓድሽ ግንባር ዝኸፍት‘ዩ።

ሰራዊት ኢትዮዽያ ብገፊሑ ኣብ ሶማልያ ተቀባልነት የብሎምን።ቅድሚ 5 ዓመት ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ዝዘለቀ ናይ ሶማልያ ወፍሮም ብዝተፈፀመ ወፍሪ ከምጨካናት‘ውን‘ዮም ዝራኣዩ።

ሓይልታት ሕብረት ኣፍሪቃን ኬንያን ከምኡውን ሰራዊት ዓቅሚ ዘይብሉ መንግስቲ ሶማልያ ኣንፃር ምልሻታት ኣል-ሸባብ ኣብ ውግእ‘ዮም ዝርከቡ። ዝሰፍሐ ክፍሊ ደቡባውን ማእከላይን ሶማልያ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣል-ሸባብ እዩ ዘሎ።

ኣብ‘ዚ ቀረባ ሰሙናት ኣንፃር ኣል-ሸባብ ዝተመዝገቡ ወትሃደራዊ ዓወታት፣ ንኣል-ሸባብ መሊእካ ንምቅባፅን መንግስቲ ሶማልያ ግዝኣቱ ንምስፋሕን ገለ ኣፋፍኖት ዝሃበ ኮይኑ‘ሎ።

ኣብ ናይሮቢ ንጉዳይ ሶማልያ ተንታኒ ዓብዲዋሃብ ሸኽ ዓብዲ ሰመድ፣ ኢትዮዽያ ምስ ንመንግስቲ ሶማልያ ይድግፍ ዘሎ ኣሚሶም ተሓባቢራ እንተተበጊሳ‘ዩ እቲ ዝሓሸ ዝኾነላ ይብል።

ንሱ ኣብ ዘረብኡ ”ሶማልያን ኢትዮዽያን - ንነዊሕ ጊዜ ከምፀላእቲ ይራኣኣያ ዝነበራ ሃገራት‘የን።ስለዚ ንኢትዮዽያ ንምእማን ጊዜ ክወስድ‘ዩ።ግን ኢትዮዽያ ኣብ ትሕቲ ሕቁፊ ዓቃቢ-ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ (ኣሚሶም) ኮይና ናብ ሶማልያ እንተኣትያ፣ካብ‘ቲ ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ዝገብርዎ ዘለው ዝሓሸ ክኸውን‘ዩ” በለ።

ሰራዊት ኢትዮዽያ ኣብ‘ዚ ሰሙን‘ዚ ናብ ሶማልያ ዝኣተው፣ድሕሪ ሰራዊት ኬንያ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ኣብ ደቡባዊ ሶማልያ ምስ ኣል-ሸባብ ኲናት ምግጣሙ‘ዩ።

ሶማልያውያን ይብል ዓብዲዋሃብ ሳምድ፣ጎረባብቶም ሰራዊት ናብ ሶማልያ ምውፋሮም ኣሻቂልዎም‘ሎ ይብል።ኣብ ሞንጎ ሶማልያን ሰራዊተን የዋፍራ ዘለዋ ሃገራት ንኢትዮዽያን ኬንያን ሓዊስካ፣ውጥረት ፀኒሑ‘ዩ‘ውን ይብል።

ሳምስ ወሲኹ ”ኣብ ግንባር ዘለዋ ሃገራት‘የን፣ሰራዊት ንምውፋር ቅሩባት ኮይነን ዘለዋ። ኣብ ክንድኡ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ጋና፣ሴራልዮን፣ናይጀርያን ማላዊን ካልኦትን ሰራዊት እንተዘዋፍር‘ዩ ዝሓሸ ክኸውን ነይሩ።ብዛዕባ ጎረባብቲ ሃገራት፣ኩሉ-ሻዕ ጥርጣረ ኣሎ” ይብል።

ኣብ ማእከላይ ሶማልያ ንሬድዮ ጋልጉዱድ ዝሰርሕ ዓብዲፈታሕ ሓሰን፣ ዝሓለፈ ሰሙን ወትሃደራት ኢትዮዽያ ኣብ ጥቃ’ታ ከተማ ብበዝሒ ከምዝተራኣዩ ዝሕብር ሓበሬታ ከምዘሎ ይጠቅስ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ሰራዊት ኢትዮዽያ ናብ ሶማልያ ኣትዮም እንተኾይኖም ነቲ ዜና ሰናይ ኢሎም ከምዝቅበልዎ ምንስትር ምክልኻል ሶማልያ ገሊፆም።ሑሴን ኣራብ ኢሳ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ፣ሉኣላዊነት ሶማልያ ክሳብ ዘይጣሓሱ፣ኣንፃር ኣል-ሸባብ ዝዋጋእ ሓይሊ ቅቡል‘ዩ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮዽያ ካብ ዘካየድዎ ኣኼባ ድሕሪ ምምላሶም መግለፂ ዝሃቡ ምንስትር ምክልኻል ሶማልያ ሚስተር ኢሰ፣ኣንፃር‘ቲ ምስ ኣል-ቃይዳ ምትእስሳር ዘለዎ ኣል-ሸባብ ኣብ ዝግበር ዘሎ ውግእ፣ደገፍ ማሕበረ-ሰብ ዓለም የድልይ‘ዩ ከምዝበሉ‘ውን እቲ ዜና ይሕብር።

እቶም ምንስትር ምክልኻል ወሲኾም፣ሰራዊት ኢትዮዽያ ኣብ ጎኒ ሰራዊት መንግስቲ ሶማልያ ኮይኖም ክንቀሳቀሱ‘ዮም ይብሉ።መንግስቲ ኢትዮዽያ ግና ዛጊድ ሓይልታቱ ናብ ሶማልያ ከምዘይላኣኸ‘ዩ ዝገልፅ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ዝተካየደ ኣኼባ መራሕቲ ኢጋድ ውሳነ ኣሕሊፉ‘ሎ።ካብ‘ቶም ውሳነታት ገሊኦም፣ኤርትራ ንዝሓዘቶም ወትሃደራት ጂቡቲ ምሩኻት ኲናት ብዘይወዓል ሕደር ክትፈትሕ፣ነቲ ንምብራቅ ኣፍሪቃ ንምህዋኽ ቀንዲ መደቡ ዝገበረ ኣል-ሸባብ ብዘይምቁራፅ ኣፅዋር ተቅብል ኣላ ኢሉ ንኤርትራ ከምዘውግዝ ገሊፁ‘ሎ።

XS
SM
MD
LG