ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፈኛ ባይቶ ሶማል መሰናበቲ ሕቶ ኣቕሪቡ


መሓመድ ዑስማን ጀዋሪ ዝተባህለ ኣፈኛ ባይቶ ሶማል ካብ ስልጣኑ ብፍቓዱ ከምዝተሰናበተ ተፈሊጡ።

ስንብታ ኣፈኛ ባይቶ ሶማል መሓመድ ዑስማን ጀዋሪ ብዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሶማል ዝተረጋገጸ ክኸውን እንከሎ ምክትል ኣፈኛ ባይቶ ድማ ነቲ ናይ ስንብታ ደብዳበ ንኣባላት ባይቶ ከምዘንበበሎም ተሓቢሩ።

ብመሰረት ካብታ ሃገር ተመሓላሊፎም ንድምጺ ኣመሪካ ቋንቋ ሶማል ዝተዋህቡ ሓበሬታታት ፡ ኣብ ሞንጎ እቲ ስንብታ ዘቕረበ ኣፈኛ ባይቶ ሶማል መሓመድ ዑስማን ጀዋሪን ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ሓሰን ዓሊ ካረን ንሰለስተ ሰሙን ዝኣክል ናይ ስልጣን ቁርቁስ ከምዝተራእየ ተገሊጹ።

ሚኒስተር ቅዋም ሶማል ዓብድራሕማን ሆሽ ጅብሪል ኣፈኛ ባይቶ ሶማል መሓመድ ዑስማን ጀዋሪ ናይ ስንብታ ደብዳበኡ ዘቕረበ ካብ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ፋርማጆ ተወሳኺ ፖለቲካዊ ተነጽሎ ካብ ምፍጣር ድሕሪ ዝተለገሰሉ ማዕዳ ምዃኑ ጠቒሱ።

ደገፍቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓሰን ዓሊ ካረ እቲ ኣፈኛ ባይቶ ሶማል መሓመድ ዑስማን ስራሕ ብምጉታት ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ፈጻሚ ኣካል ጣልቃ ብምእታውን ይኸሱ። ይኹንምበር እቲ ክሲ በቲ ኣፈኛ ዝተነጽገ ክኸውን እንከሎ ፕረዚደንት ሶማልን ቀዳማይ ሚኒስተርን ግን ብዛዕባ’ዚ ርእይቶ ኣይሃበሉ ኣለው።

XS
SM
MD
LG