ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል፡ ሓንቲ መርከብ ድሕሪ ምትኳሳ ከምዝጠሓለት ናይ ዓይኒ መሰኻክር ሓቢሮም


ሰበ ስልጣናን ነበርቲን ዞባ ፑንትላንድ ሶማል ሓንቲ ዓባይ መርከብ ካብ ወሰን ማያት ሶማል ክትትኮስን ክትጥሕልን ርኢና ክብሉ ገሊጾም።

ኣብ ወሰን ባሕሪ ከተማ ሙርአንዮ ዝነብሩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከምዝበልዎ እታ መርከብ፡ መርከብ ውግእ ከምትመስልን ግን ብቀጥታ እዚ እዩ ኢልካ ምግላጽ ከምዘይከአልን ገሊጾም።

ካልኦት ኣብቲ ቦታ ዝነበራ መራኽብ ንሰራሕተኛታት እታ መርከብ ንምድሓን ከምዝመጻ’ውን ተሓቢሩ።

እቲ ዞባ ብዙሕ ጊዜ ብሓይሊ ባሕሪ ሕብረት ኣውሮጳ ዝሕሎን: ኣብቲ ከባቢ ንዝካየድ ክትራን ባሕሪ ንምግታእን ከም ናይ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝበላ ተአፈፍቲ መራኽብ ንምሕላው ከምዝንቀሳቀሳን'ውን ይግለጽ።

እታ መርከብ ሶኑይ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ከምዝጠሓለትን ዝገለጹ ነበርቲ፡ ሓገዝ ንምሃብ ክልተ መራኽብ ኩናት ናብቲ ወሰን ባሕሪ ከምዝመጻን ነቶም ሰራሕተኛታት ምድሓነንን ይሕብሩ።

አቦ መንበር’ታ ናይታ ኣብ ሰሜናዊ ሶማል ትርከብ ወደባይት ከተማ ዓሊ ሽረ ዑስማን ግን ሓገዝ ዝሓተተና የለን ኢሎም።

ናይ ዓይኒ መሰኻክር ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝሓበርዎ: ብርቱዕ ነታጒ ከምዝተተኮሰን ትኪ ከምዝተራእየን እታ መርከብ ድማ ቀስ እንዳበልት ክትጥሕል ከምዝጀመረት ኣረዲኦም። ክልተ ናይ ውግእ መራኽብ ድሒረን ናብቲ እታ መርከብ ትጥሕለሉ ዝነበረት ቦታ ከምዝመጻ ብተወሳኺ እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG