ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣልሸባብ ኣብ ሶማል ንዝርከብ መዓስከር ዓቃቢ-ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ወሪሩ


ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣብ ሶማል ፋይል
ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣብ ሶማል ፋይል

ኣልሸባብ ኣብ ደቡባዊ ሶማል ንዝርከብ መዓስከር ዓቃቢ-ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ወሪሩ።

እቲ ቅድሚ ወጋሕታ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካብ ሞቓዲሾ ኣስታት 110 ኪ.ሜ. ርሒቑኣብ ታሕታዋይ ሸበሌ ዝርከብ መዓስከር ከምዘጋጠመ መሰኻኽር ዓይኒ ይሕብሩ።

ኣልሸባብ ብተለግራም ኣብ ዘውጽኦ መልእኽቱ፡ ዕጡቓቱ ነቲ መደበር ከምዝወረርዎ ኣፍሊጡ`ሎ። ተልእኮ ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ፡ እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ብምርግጋጽ፡ ነቲ ኩነታት ኣብ ምግምጋም ከም ዝርከብ ኣፍሊጡ`ሎ።

እዚ ዳሕራዋይ መጥቃዕቲ ዝስማዕ ዘሎ፡ መንግስቲ ሶማል ካልኣይ ዙር ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣንጻር ኣልሸባብ ከካይድ ኣብ ዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን`ዩ።መንግስቲ ሶማል ክሳብ 2024 መወዳእታ ንሓላፍነት ጸጥታ ሶማል ካብ ዓቃቢ ሰላም ንምርካብ እኹል ሓይሊ የዳሉ ከምዘሎ`ውን ኣፍሊጡ`ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG