ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታደራት ኣሚሶም ፆታዊ ዓመፅ ፈፂሞም ክብል Human Rights Watch ገሊፁ


Human rights watch logo
Human rights watch logo

Human Rights Watch ዝተብሃለ ተሓልቒ ሰብኣዊ መሰላት ሓድ ሓደ ወታደራት ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሱማሊያ (AMISOM/ ፆታዊ ዓመፅ ንምፍፃምን ንደቂ ኣንስትዮን ኣዋላድን ንምምዝማዝን ስልጣኖም ብዘይኣግባብ ይጥቀሙ ኣለው ክብል ኸሲሱ።21 ፍፃመታት ከምዝሰነደ ብምሕባር መብዛሕቲአን ዘጋጠመን ንምዝራብ ስለዘይደፍራ እምበር ካብኡ ክበዝሕ ከምዝኽእል እቲ ጉጅለ ሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ኒው ዮርዝክ ዝመደብሩ Human Rights Watch ሎማዕንቲ ሰኒ ኣብዘውፅኦ ሪፖርት ሓድ ሓደ ወታደራት ሕብረት ኣፍሪካ ንረድኤትን ሕክምናዊ ሓገዝን ደልየን ኣብ ሞቓድሾ ናብ ዝርከብ ካምፕታቶም ኣብ ልዕሊ ዝመፃ ደቂ ኣንስትዮ ዘብፅሕዎ ብዝርዝር በደል ሒዙ’ሎ።ነቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት መፅናዕቲ ዘካይዳ ላቲሺያ ባደር ኣብ ናይሮቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ኣብ ሞቓድሾ ዝርከቡ ሓይልታት ኡጋንዳን ቡሩንዲን ዝኾኑ ወታደራት ኣሚሶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ስልጣኖም ብዘይኣግባብ ንፆታዊ ብዝበዛ ክጥቀምሉ ፀኒሖም ኣለው ምስ በላ ኣስዒበን ‘’ሞቓድሾ ኣብ ዝርከቡ ክልተ መደብሮም ንደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዓሚፆምወን እዮም’’ ኢለን።

ንኣኽራሪ ኣል-ሸባብ ካብ ዋና ከተማን ማእኸላይ ሱማሊያን ፀሪጎም ብምውፃእ ንኣሽሓት ሱማሊያዊያን ካብ ዓፈና እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ነፃ ዘውፅኡ ወታደራት ሕብረት ኣፍሪካ ሓድ ሓዲኦም ወታደራትን ኣዘዝትን ኣብ ሞቓድሾ ኣብዝርከቡ ዋና መድብሮም ፈፀምቲ ገበናት ኮይኖም ኣለው።

ረድኤት ሕክምና ብዘይኣገባብ ከምዝተጠቐምሉ ሕክምና ንኽትረክብ ናብቲ ማእኸል ንኽትምለስ ዝተነገራ ጓል ኣንስተይቲ ሓደ ወታደር ኣሚሶም ናብ ዝርከበሉ ገዛ ተወሲዳ ምስቲ ወታደር ፆታዊ ርክብ ንኽትፍፅም ዝተገደደትሉ ካብቶም ዘሰንብዱ ምስክርነት ሓደ ክብላ ገሊፀንኦ።

በቲ ተሓላቒ መሰል ንዝቐረበ ኽሲ መልሲ ዝሃቡ ወታደራዊ ወሃቢ ቃል ሕብረት ኣፍሪካ ኤሎዪ ያኦ ኣሚሶም ምሉእ ምርመራ ከምዝካየድን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ስልጣኖም ዝተጠቐሙ ተሓተቲ ከምዝኾኑን ቃል ኣቲዮም።

ሓይልታት ሕብረት ኣፍሪካ፣ሕቡራት መንግስታትን መንግስቲ ሱማሊያን ፆታዊ ዓመፅ ንምክልኻል ብርቱዓት ስጉምትታት ክወስዱ ህይውማን ራይትስ ፀዊዑ’ሎ።

XS
SM
MD
LG