ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማሊያዊያን ፖለቲከኛታት ሃገሮም ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ሽግር ንምውፃእ ዝቕፅል ሓሙስ ኣብ ለንደን ኣብዝካየድ ዋዕላ ክሳተፉ እዮም


መራሕቲ 40 ሃገራት ሱማሊያዊያን ፖለቲከኛታት ኣብታ ብዅናት ዝተሃሰየት ሃገሮም ማሕበራውን ፖለቲካውን ደሕንነት ሃገሮም ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ሽግር ንምውፃእ ዝቕፅል ሓሙስ ኣብ ለንደን ኣብዝካየድ ዋዕላ ክሳተፉ እዮም።

ኣብ ሞቓድሾ ካብ ዝርከቡ ዓቀብቲ ሰላም ሕብረት ኣፍሪካ ዝለዓለ ቁፅሪ ዘለዎም ወታደራት ዘዋፈረት ኡጋንዳ ግን ፌደራላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱማሊያ እቲ ጉባኤ ዕውት ክኽውን ዝኽእል ሱማሊያዊያን ኣብ ውሽጦም ዘሎ ፖለቲካዊ ምውጣጥ ጠጠው እንተቢሎምዎ እዩ ትብል።

ኣብ ሱማሊያ መገሻ የካይዱ ዘለው ምንስቴር ወፃኢ ኡጋንዳ ኦኬሎ ሀንሪ ኦረይም ነቲ ብቀዳማይ ምንስቴር ብሪታኒያ ዴቪድ ካምረን ኣሰናዳእነት ዝካየድ ናይ ለንደን ጉባኤ ሱምሊያ ክትጥቀመሉ ፀዊዖም።

አተሓሒዞም'ውን "ሱማሊያ ብኹሉ ተቐባልነት ዘለዎ፡ግልፅን ኩሉ-ሓቆፍን ብሱማሊያዊያን ዝምራሕን ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ንምምስራት ዕድል ዝህብ እዩ።እዚ ተቐባልነት ዘለዎ ሕገ መንግስቲ ናብ ምፅዳቕን ብኡ ኣቢሉ ድማ ዴሞክራሲያዊ ምርጫ ናብ ምክያድን ከመርሖም እዩ" ኢሎም።

ኦሪየም መንግስቶም ኣብ መንጎ ሰበ ስልጣን ሱማሊያ ዘሎ ወጥሪ ኣብ ሱማሊያ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝተኻየደ ዅናት ብምውጋድ ምርግጋእ ንኽፍጠር ዕንቅፋት ምዃኑ ከምኣምን ገሊፆም።

ኡጋንዳ ካብ 2007 ኣ/ፈ ጀሚሩ ካብቶም ልዕሊ ትሽዓተ ሽሕ ጠንካራ ወታደራት ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ዝበዝሐ ቁፅሪ ወታደራት ዝሃበት ሃገር እያ።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG