ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምርጫ ፑንትላንድ ብቀቢላዊ ውክልና ክኸውን ተወሲኑ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ሓውሲ ርእሰ-ምምሕዳር ፑንትላንድ ዝመጽእ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ፓርላመንታዊ ምርጫ ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ዝውሃብ ድምጺ፡ ኣብ ቀቢላዊ ውክልና ዝተመርኮሰ ክኸውን ተወሲኑ።

ኣብታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ግዝኣት ዝሓለፈ ግንቦት ዝተኻየደ ምርጫ በመሰረት ሓደ ሰብ ሓደ ድምጺ ስለዝነበረ፡ ብማሕበረሰብ ዓለም ሞገስ ረኺባ ኔራ`ያ። ተቓወምቲ ግን ፕረዚደንት`ታ ግዝኣት ስዒድ ዓብዱላሂ ደኒ፡ ስልጣኑ ንምንዋሕ መታን ክጥዕሞ ዝገበሮ `ዩ ኢሎም ተቓዊሞም ኔሮም።ሕጂ ግን እቶም ተቓወምቲ ነዚ ኣብ ቀቢላ ዝተመስረተ ምርጫ ውክልና ብሓጎስ ተቐቢሎሞ`ለዉ። ግዝኣታት ሶማል ኮና ፈደራል መንግስቲ፡ ሲያድ ባረ ስልጣን ካብ ዝሓዘሉ እዋን ካብ1969 ጀሚሩ፡ ቀጥተኛ ምውሃብ ድምጺ ጌረን ኣይፈልጣን`የን።

ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ነቲ ኣብ ፑንትላንድ ብውክልና ቀቢላ ክግበር ዝተወሰነ ምርጫ ብሓጎስ ዝተቐበሎ`ኳ እንተኾነ፡ ነቲ ዝተሓላለኸ ብተዘዋዋሪ ዝግበር ምውሃብ ድምጺ ኣብ 2024 ደው ከብሎ ክሰርሕ ምዃኑ ቃል ኣትዩ`ኔሩ`ዩ።

ቀጥተኛ ምውሃብ ድምጺ ክወሃብ ዝጸንሐ ኣብ ጎረቤት ፑንትላንድ ዝኾነት ሶማሊላንድ ጥራሕ`ዩ፡ ኣብ 1991 ናጽነታ ዝኣወጀት ኮይና ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ግን ኣይረኸበትን።

በዚ ሕጂ ዘሎ ኣሰራርሓ ግን ንፖለቲካ ሶማል ዝዝውሮ ኣብ ቀቢላ ዝተመርኮሰ መሓውራት`ዩ፡ ስልጣን ድማ ኣብ መንጎ ኣፈ-ጉባኤ ቀዳማይ ሚንስተርን ፕረዚደንትን ይመቓቐል።

ከምኡ ዓይነት ኣሰራርሓ ድማ ኣብ ቀቢላታት ፍሕፍሕ ክፈጥርን ከም ኣል-ሸባብ ዝበሉ ግብረሽበራዊያን ክምዝምዝዎን ጸኒሖም`ዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG