ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ሶማሊ ኢትዮጵያ ዝሃረመ ተደጋጋሚ ዝናብ ጉድኣት ምብጽሑ'ቲ ክልል ኣፍሊጡ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሊ ንሰሙናት ብዝሃረመ ዝናብ ብዝሒ ጉድኣት ዝበጽሖም ሰባት ብዕፅፊ ምውሳኹ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ጠንቂ'ቲ ዝናብን ውሕጅን ዘይንቡር ኩነታት ኣየር 'ኤልኒኖ' ከምዝኾነ ዝገለፀ ሃገራዊ በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ብተኸታታሊ ንሰሙናት እውን ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ ኣሎ።

ንልዕሊ ሓደ ዓመት ይሃርም ብዘሎ ዝናብ ንዝሰዓበ ውሕጅ ህይወት 28 ሰባት ምጥፍኡን ልዕሊ 101 ሽሕ ስድራ ከምዝተጎድኡን ካብኦም ልዕሊ 46- ሽሕ ሰባት ካብ መንበሪኦም ከምዝተመዛበሉ ናይቲ ክልል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ድልውነትን ኣቶ ዓብዱልፈታሕ መሓመድ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም።

እቲ ውሕጅ ንሕርሻን መንገዲ ሓዊሱ ኣብ መሰረተ ልምዓት ጉድኣት ምውራዱ ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣቶ ዓብዱልፈታሕ ብተደጋጋሚ ተጠቃዕቲ ውሕጅ ዝኾና ከተማታት ክልል ሶማሊ ካብ ሓደጋ ንምክልኻል እተን ከተማታት ከም ብሓዱሽ ምስራሕ፣ ነበርቲ ናይ ገሊአን ከተማታት ድማ ኣብ ቀረብኦም ኣብ ዘለው ከባቢታት ምንባር ክጅምሩ ምግባር ከም መፍትሒ ኣቕሪቦም ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG