ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማልያዊያን ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ስግኣት ጸጥታ ናብ ኢትዮጵያ ይስደዱ ከምዘለው ተፈሊጡ


ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማልያዊያን ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ስግኣት ጸጥታ ናብ ኣብ ኢትዮጵያ ምብራቃዊ ዞባ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዶሎ ዓዶ ይስደዱ ምህላዎም ተገሊጹ።

መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ካብቲ ጥሩፍ ጉጅለ ኣል ሸባብ ዝቆጻጸሮ በይን ባኮል ዞባታት ዝመጹ ኮይኖም ኣብ ከባቢኦም ዝንቀሳቀሱ ዕጡቓት ሚሊሻ እስላማዊ ጥሩፍ ጉጅለ መሬቶም፡ጥሪቶምን መግቦምን ከምዝምንዝዕዎምን ብተወሳኺ ብዘይፍቓዶም ናብቲ ጉጅለ ክጽንበሩ ከምዝግደዱ ይገልጹ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ዶሎ ዓዶ ሓሙሽተ መዓስከር ስደተኛታት ዘለውዎ ኮይኑ ኣስታት 215,554 ስደተኛታት ኣዕቑቡ ይርከብ።

ዶሎ ዓዶ ኣብ 2010 ዓ.ም ኣብ ሶማል ዘጋጠመ ደርቂን ግጭት ስዒቡ ብዝነበረ ዋሕዚ ስደተኛታት ምክንያት ዝተመስረት መዓስከር ስደተኛታት ምኳኑ ይፍለጥ።

“ብሰንኪ ደርቂ ኩሎም ጥሪትና ሞይቶም። ብተወሳኺ ዕጡቓት አል ሸባብ ናብ ዓድታትና መጺኦም ቀረጽ ይሓቱ። ዝወሃብ ገንዘብ ኣይነበረናን ስለዚ ንህይወተይ ብምፍራሕ ዓደይን ገዛይን ገዲፈ ናብዚ መጺአ” ዝበለ የሮ ዓብዱሃሊ እዩ።

ካብቶም ኣብ መዓስከራት ዶሎ ዓዶ ዝርከቡ ስደተኛታት 67 ሚእታዊት ህጻናት ኮይኖም፡ ካብዚኦም ኣስታት 1,642 አላይ ዘይብሎም ወይ ምስ ስድራ ቤቶም ዝተፈላለዩ ህጻናት እዮም።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ 6,687 ሓደሽቲ ስደተኛታት ዶሎ ዓዶ ኣትዮም።

ብመሰረት ዓለምለኸ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ካብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ቁጽሪ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝለዓለ ምንባሩ ይገልጽ። ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ዞባ ክሊኒክ ብስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ንዝተጎድኡ ህጻናት ንምእላይ ዝተዳለወ’ዩ።

ኣብ መጀመርታ ሰለስተ ሰሙናት ዓመተ 2017 ናብ መዓስከር ስደተኛታት ዶሎ ዓዶ ዝኣተው ህጻናት 77 ሚእታዊት ብስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ዝተጎድኡ እዮም። እዚ ድማ ካብቲ ብዓለምለኸ ውድብ ጥዕና ዝተመዝገበ ናይ ህጹጽ እዋን 15 ሚእታዊት ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝለዓለ’ዩ ማለት እዩ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል እቲ ኩነታት ካብቲ ኣብ 2011 ዓ.ም ዘጋጠመ ዝሓሸ ከምዝኸውን ይግምቱ እንተኾነ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ሕጂ’ውን ሓገዘን ከበርኽታ ጻውዒት የቕርብ።

“ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝህቦ ናይ መግቢ ሓገዝ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2018 ከየቋረጽ ኣስታት 27 ሚልዮን ዶላር ህጹጽ ሓገዝ የድልዮ። እዚ ማለት እቲ ዝወሃብ ሓገዝ መግቢ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ክጸንሕ ይክእል’ዩ ማለት እዩ። እዚ ሓገዝ ምስ ዘይሕልው ግን ነቶም እኹል መግቢ ዘይብሎም ሰባት ዝወሃብ ናይ መግቢ ሓገዝ ክጎድል’ዩ ማለት’ዩ” ዝበለት በዓል ስልጣን ኮሚኒኼሽን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ለጊ ቦወርስ እየን።

ካብ ዶብ ሶማል 70 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዶሎ ዓዶ ብብዝሒ ሶማልያዊያን ስደተኛታት ካል ኣይ ደረጃ ዝሓዘ ምዃኑ ይግለጽ።

XS
SM
MD
LG