ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዶሎ ኣዶ ሞት ህፃናት ሎሚ'ውን ዘተሓሳስብ ኮይኑ'ሎ


ናይ ዝሞቱ መጠን ግና ናብ 4.9 ወሪዱ

ኣብ ዶሎ ኦዶ ካብ ዝርከብ ናይ ሱማሊያዊያን መዕቖቢ ስደተኛታት ወፃኢ ዘሎ መጠን ሞት እናነከየ እንተኾነ’ውን ካብ ሓሙሽተ ዓመት ንታሕቲ ዘለው ህፃናት ግን ሕዚ’ውን ዘተሓሳስብ እዩ ተባሂሉ።ብጎዴ በሪ ኣቢሎም ብሓድሽ በሪ ናብ ኢትዮጵያ ንዝኣተዉ ሱማሊያዊያን ስደተኛታት እውን ሓገዝ እናበፅሖም ምዃኑ ኮምሽን ስደተኛታት ኣፍሊጡ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኮምሽን ስደተኛታት ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ብፅሑፍ ኣብዝዘርግሖ መግለፂ ከምዝሓበሮ ኣብ ዶሎ ኦዶ መፅለሊ ስደተኛታት ኮቤ ዝርአ ዝነበረ መጠን ሞት ብውሕድ እንተኾነ’ውን ናይ ምንካይ ዝንባለ ኣርእዩ’ሎ።

ቅድም ክብል ኣብ ማዕልቲ ካብ መንጎ 10 ሽሕ ስደተኛታት እቶም 5.7 ህይወቶም ይስእኑ ነይሮም።ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ናይ ዝሞቱ መጠን ናብ 4.9 ወሪዱ’ሎ።

እቲ ሪፖርት ብምውሳኽ ኩነትታ ካብ ሓሙሽተ ዓመት ንታሕቲ ዘለው ህፃውንቲ ግን ሎሚ’ውን ዘተሓሳስብ እዩ ይብል።ቀንዲ ምኽንያት ሞት እቶም ህፃውንቲ ሕማም ንፍዮ ምዃኑ መሻርኽቲ ሕቡራት መንግስታት ይጥርጥሩ።መንቀሊ 68 ሚእታዊ ሞት ህፃናት ሕማም ንፍዮ ምዃኑ’ውን ይግመት።

ካልኦት ምኽንያትታ ሞት ጉድለት ኣመጋግባ፡ኒሞንያን ውፃእትን ምዃኖም እቲ ሪፖርት ኣረጋጊፁ’ሎ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ብሓድሽ መእተዊ በሪ ጎዴን ከባቢኡን ካብ ሱማሊያ ንዝሰገሩ 18,500 ስደተኛታት ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ኣዝዮም ኣድለይቲ ዝኾኑ ናይ ረድኤት ናውቲታት ዝሓለፈ ረቡዕ ከምዘብፅሐ እቲ ሪፖርት ኣፍሊጡ።

ኣብ ከባቢ ጎዴን ኣፍዴርን ንዝተኣኻኸቡ ናይዞም ስደተኛታት ኩነታት ተፃሪዩ ምስተመዝገበ ብመሰረት ምርጫ እቶም ስደተኛታት ናብ ጂጂጋ ወይ’ውን ናብ ዶሎ ኦዶ ናይ ሱማሊያዊያን ማእኸል ስደተኛታት ከምዝጉዓዐዙ ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG