ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ኢትዮጵያ ዝሃደሙ ሶማልያዊያን ስደተኛታት ናብ ወረዳ ቦክህ ምግዓዞም ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ ህውከት ዝሃደሙ ሶማልያዊያን ስደትኛታት ካብ ዶብ ኣስታት 50-ኪ.ሜ ርሒቁ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝርከብ ሚርቓን ዝበሃል ከባቢ ወረዳ ቦክህ ክግዕዙ ከምዝተገብረ ተገሊፁ።

እዚ ነቶም ስደተኛታት ናብቲ ከባቢ ክግዕዙ ዝካየድ ዘሎ ስራሕ ብትካል ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያን ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት(UNHCR)ን መሻርክቲ ኣካላትን ብሓባር ብምኳን’ዩ።

እቲ ምግዓዝ በቶም 1,036 ኣዝዮም ተኣፈፍቲ ዝኾኑ ካብ ሶማል ካብታ ጥቃ ዶብ ትርከብ ከተማ ላስካንኖድ ዘሎ ጎንፂ ዝሃደሙ ሓደሰቲ መፃእቲ ስደተኛታት ሶማል ዝጀመረ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት’ዩ።

እቶም ስደተኛታት ናብቲ ቦታ ምስ በፅሑ ተመዝጊቦም መፅለሊኦም ንኽሰርሑ ቴንዳን ካልኦት ዘድልዮም መሰረታዊ ነገራት ረድኤት ከምዝወሃቦም ተገሊፁ’ሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ’ዉን እቶም ስደተኛታት ዝነብርሉ 400-ሄክታር መሬትን ብልግሲ ምሃቡን ከምኡ'ውን ከም ክንክን ጥዕና፡ኣገልግሎት ማይን ትምህርትን ክረኽቡ ምፍቃዱን ተፈሊጡ’ሎ። ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት’ውን ንኢትዮጵያውያንን ነቶም ስደተኛታትን ብዘርብሕ ንዝጎደለ ንምሕጋዝ ምስ ሰበ-ስልጣን’ቲ ከባቢ ብቀፃሊ ፅምዶ ከም ዝገብር ተገሊፁ’ሎ።

እቲ ጎንፂ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፍርቂ ለካቲት ካብ ዝውላዕ ንደሓር ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንድሕነቶም ክብሉ ናብ ናይ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ ኣትዮም’ዮም። ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ 91-ሽሕ ሰባት ብናይ ኢትዮጵያ ትካል ስደተኛትን ተመለስትን(RR)ን ደገፍ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታትን ተመዝጊቦም’ለዉ። ገና’ዉን መብዛሕትኦም ኣንስትን ቆልዑን ዝኾኑ ስደተኛታት ካብቲ ጎንፂ ሃዲሞም ይመፁ ከም ዘለዉ ይግለፅ’ሎ። ካብ መንጎ’ዚኣቶም 3,400 ብዘይ ኣላይ ካብ ወለዶም ዝተፈላለይን ቆልዑ ይርከብዎም።

መብዛሕትኦም ስደተኛታት ብዝተቀበልዎም ኢትዮጵያውያን ስድራቤታት ይተኣናገዱ እንተሃለዉ መብዛሕትኦም ግን ኣብ ደገ’ዮም ዝድቅሱ ዘለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን መሻርኽቱን ነቶም ስደተኛታት ንምሕጋዝ ናይ 116-ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተማሒፅኖም’ዮም።

ኢትዮጵያ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ከም ደቡብ ሱዳን፡ሶማል፡ ኤርትራን ሱዳንን ኣስታት 990-ሽሕ ስደተኛታት ተቀቢላ ኣብ ምትእንጋድ ትርከብ።

XS
SM
MD
LG