ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ኮሚቴ ቐይሕ መስቀል ኣብ ሱማሊያ ይህቦ ዝነበረ ረድኤት ጠጠው ኣቢሉዎ


እቶም ሰበስልጣን ንምንታይ ከምዝሓዙወን ድሕሪ ኣርባዕተ ሰሙናት እውን ምኽንያት ኣይሃቡን ይብል ICRC

ዓለምለኸ ኮሚቴ ቐይሕ መስቀል /ICRC/ ኣብ ማኸላይን ደቡባውን ሱማሊያ ንዝርከቡ ንልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ሰባት ይህቦ ዝነበረ ረድኤት ብግዝያውነት ኣቛሪፅዎ።ምኽንያ ናይቲ ከባቢ ሰበስልጣን ንማእኸላይን ደቡባውን ኽፋላት እታ ሃገር ምግብን ዘራእትን ንኸይዕደል ብምኽልካሎም።

ኣብ ማእኸላይ ሱማሊያ ኣብዝርከብ ዞባ ማእኸላይ ሸበሌ ዘለው ሰበስልጣን ረድኤት ዝፀዓና ናይ ቀይሕ መስቀል መኻይን ፅርየት ንምርግጋፅ ብዝብል ምኽንያት ኣብመፋርቕ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ሒዞምወን።እቶም ሰበስልጣን ንምንታይ ከምዝሓዙወን ድሕሪ ኣርባዕተ ሰሙናት እውን ምኽንያት ኣይሃቡን ይብል ICRC።በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ማእኸላይን ደቡባውን ሱማሊያ ዘካይዶ ዝነበረ ስርሒት ጠጠው ኣቢሉዎ’ሎ።

ኣና ሻፍ ናይ ICRC ናይ ኣፍሪካ ናይ ኮምኒኬሽን ኦፊሰር እየን።ንሰን ከምዝብልኦ ቀይሕ መስቀል ኣብ ምክፍፋል ምግቢ ምስ ናይቲ ከባቢ ሰበስልጣን ዝኣተዎ ውዕል ኣይተኸበረሉን።ክሳብ ዝኽበር ድማ ምግቢ ከምዘይከፋፈል ኣና ገሊፀን ኣለዋ።

ከም ሓደ ዘይሻራውን ነፃን ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ትካል ንምስራሕ ዘኽእለና ኣገባብ ኣሰራርሓና ንከኽብሩ ስምምዕ ነይሩና ዝበላ ኣና ሻፍ ከምዚ ይብላ ‘’ኣብ ዓለም እንጥቀመሉ ሓደ ዓይነት ኣገባብ ኣሰራርሓ ኣለና።እዚ ማልት ድማ ንኣብነት ኣብቲ ባይታ ዘሎ ኩነታት ንግምግምን እንታን ኣበይን ሓገዝ ክነከፋፍል ከምዘለናን ንውስን ባዕልትና ኢና።’’

ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ብዛዕባ እቲ ኩነት ኣዝዩ ስለዘሻቐሎ ምግቢ ዝፀዓና መኻይን ንምንታይ ከምዝሓዙወን ህፁፅ መብርሂ ንኽህቡወን ኣና ንናይቲ ከባቢ ሰበስልጣን ፀዊዐን ኣለዋ።

እቲ ናይ ICRC ሓገዝ ንሱማሊያዊያን ተሓገዝቲ ንኸይበፅሕ ዝኸልከሎ መን ምዃኑ ግን ኣና ኣይጠቐሳን።እንተኾነ ግን ንማኸላይ ሸበለ ንስራሕቲ መብዛሕቲኦም ትካላት ረድኤት ዝኣገደ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብ እዩ ዝቆፃፀሮ።

XS
SM
MD
LG