ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ስሜን ኣፍሪካ ዝተልዓለ ህውከት ንሱማሊያን ኣኽረርቲ ኣብ ምድኻም ክሕግዝ እዩ ተባሂሉ


ናይ ጋና ፕሬዝዳንት ነበር ጀሪ ላውሪንግስ ሽም ሃገር ከይረቑሑ ግን ብዛዕባ መን ይዛረቡ ከምዘለው ብዝገልፅ ገለ ኣካላት ሰሜን ኣፍሪካ ነቶም ኣብ ሱማሊያ ዝንቀሳቐሱ ኣኽረርቲ ጉጅለታት ናይ ምጉህሃር ፍሉይ ኣጋጣሚ ነይሮም ክብሉ ንጋዜጠኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዛሪቦም።

ናይ ሕብረት ኣፍሪካ ፍሉይ ልኡኽ ጉዳይ ሱማሊያ ጀሪ ላውሪንግስ እቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪካ ዝተልዓለ ህዝባዊ ዓመፅ ነቶም ኣብ ሱማሊያ ዘለው ኣኽረርቲ ጉጅለታት ዓብይ ፍልፍል ገንዘብ ኣፅዋራት ብምብታኽ ኣብ ምድኻሞም ሓጊዙ ክብሉ ተዛሪቦም።

ናይ ጋና ፕሬዝዳንት ነበር ጀሪ ላውሪንግስ ሽም ሃገር ከይረቑሑ ግን ብዛዕባ መን ይዛረቡ ከምዘለው ብዝገልፅ ገለ ኣካላት ሰሜን ኣፍሪካ ነቶም ኣብ ሱማሊያ ዝንቀሳቐሱ ኣኽረርቲ ጉጅለታት ናይ ምጉህሃር ፍሉይ ኣጋጣሚ ነይሮም ክብሉ ንጋዜጠኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዛሪቦም።

ኣብዚ እዋን እዚ በቲ ምስ ኣልቃይዳ ዝተኣሳሰር ኣልሸባብ ዝተቖፀሩ መንእሰያት ፍልፍል ገንዘብ እቲ ጉጅለ ይነቅፅ ስለዘሎ ብረቶም ንምውራድ ፍቓደኛታት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ክብሉ እቶም ፍሉ ልኡኽ ጉዳይ ሱማሊያ ተዛሪቦም።

XS
SM
MD
LG