ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

20 ዓመታት ኵናት ሱማሊያ ፆታዊ ዓመፅ ከም ለበዳ ንኽስፋሕፋሕ ገይሩ ይብል ሓደ ጉጅለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል


SOMALIA
SOMALIA
ን20 ዓመትታ ኣብ ሱማሊያ ዝተኻየደ ግጭት ፆታዊ ዓመፅ ከም ለበዳ ክስፋሕፋሕ ገይሩ ይብል ንሰብኣዊ መሰላት ዝሕለቕ Amnesty International።መብዛሕቲአን ግዳያት ኣብ ልዕሊአን ዝፍፀም መጥቓዕቲ ብስግኣት ኣበር እንታይ ክንብሃል ንሰበስልጣን ኣይፍልጣን ኢሉ እቲ ትካል።

ኣብ ሱማሊያ ምዕማፅን ፆታዊ መጥቓዕትን ዝውቱር እዩ ከም መግለፂ ኣምንሰቲ።ዝተመዛበላ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ቀንዲ ግዳያት እየን።መፅናዕቲ ዘካይዱ ንጓል 13 ዓመት ሓዊሱ ኣብ ከተማ ሞቓድሾን ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታትን ንዝርከባ ዓሰርተታት ግዳያት ከምዘዘራረቡ ላዕለወይቲ ኣማኻሪት ቅልውላው እቲ ትካል ዶናቴላ ሮቬራ ይገልፃ።

ሰብኣዊ ኩነታት ዘሕዝን፣ስእነት ፀጥታ ድማ ኣዝዩ ዝተስፋሕፍሐ እዩ ዝበላ ንሰን ኣስዒበን ‘’ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ንኣገዲድካ ምድፋርን ንፆታዊ ዓመፅን ኣዝየን ዝተቓልዓል እየን።’’
ኣብ ሱማሊያ ኣብ 2012 ኣ/ፈ ኣብ ልዕሊ ናይ ውሽጢ ተመዛበልቲ እንትወሓደ 1,700 ኣገዲድካ ምድፋር ከምዝጋጠመ ሕቡራት መንግስታት ይገልፅ።70 ሚእታዊ መጥቓዕትታት ናይ መንግስቲ ኽዳን ብዝተኸደኑ ዕጡቓት ዝተፈፀመ እዩ።

ገበነኛትታ ናብ ፍርዲ ናይ ምቕራብ ዕድሎም ኣዝዩ ዝተሓተ ምዃኑን ግዳያት ፆታዊ ዓመፅ ኣብ ማሕበረሰብ ሱማሊያ ኣበር ከምዘለወን ተገይረን ይርአያ ኢለን።’’ኣብ ልዕሊአን ዝበፅሐ መጥቓዕቲ እንትድኣ ኣመልኪተን ፍትሒ ኣይንረክብን ብዝብልን ብስግኣት እንታይ ክንብሃልን እተን ግዳያት ንፖሊስ ኣየፍልጣን።’’

ፖሊስ መጥቓዕቲ ንኸይፍፀሙ ንምልክኻልን መጥቓዕቲ ዝፈፀሙ ድማ ናብ ሕጊ ንምቕራብን ተኽእሎ ይኹን ፖለቲካዊ ድልውነት የብሉን ይብላ ብምቕፃል ረቬራ።

ብዙሓት መጥቓዕቲ ዝፍፀመን ደቂ ኣንስትዮ ለይቲ ብፕላስቲክ ኣብ ዝተሰርሐ ናይ መዕቖቢ ማእኸላት እዩ።ዝከላኸል ኣካል እውን የለን።

ናይ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ላዕለወይቲ ኣማኻሪት ቅልውላው እቲ ሽግር ንምፍታሕ ብዙሕ ክስራሕ ከምዝኽእልን ክስራሕ ከምዘለዎን ይገልፃ።መንግስቲ ንውስን ኽፋል ከም ኣል-ሸባብ ዝበሉ ካልኦት ዕጡቓር ጉጅለታት ድማ ንዝበዝሕ ከባቢ እታ ሃገር ስለዝቆፃፀሩዎ ንምፍታሕ ኣፀጋሚ ከምዝኸውን ይዛረባ።

እንተኾነ ግን ኢለን ንሰን ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ዝቆፃፀሮም ከባቢታት ፀጥታ ኣብ ምርግጋፅ ጭቡጥ ስጉምትታት ክወስድን ተፈፂሞም ንዝተብሃሉ እውን ክከታተልን ኣለዎ ኢለን።
XS
SM
MD
LG