ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፑንትላንድ ምስ ማእኸላይ መንግስቲ ሱማሊያ ዝነበረኒ ርክብ በቲኸ ኢላ


Somalia, Puntland, Somaliland
Somalia, Puntland, Somaliland

ናይ ሱማሊያ ዓርሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ናይ ባዕላ ሓድሽ ማእኸላይ መንግስቲ ንምፍጣር ብዝብል ምስ ማእኸላይ መንግስቲ ሱማሊያ ዝነብሩዋ ኩሎም ርክባት በቲኻ።ተንተንቲ ግን ንነዊሕ እዋን ሽግር ንዘየተፈላያ ሱማሊያ ሰላም ንምምፃእ ንዝገብሩ ፃዕርታት ካሊእ ዕንቅፋት እዩ ክብሉ የጠንቅቑ ኣለው።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ መንግስቲ ሱማሊያን ካብ ማእኸላይ ዞባታት እታ ሃገር ዝተወከሉን መራሕቲ ዞባታት ጋልጉዱድን ሙዱግን ሓድሽ ምምሕዳር ንምምስራት ሓደ ሰነድ ተፈራሪሞም ነይሮም።

ኣብ ሱማሊያ ፍሉይ ልኡኽ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ዝኾኑ ኒኮላስ ከይ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ነቲ ስጉምቲ ደገፎም ብምግላፅ እንተኾነ መራሕቲ ንቕድሚት ፈተናታት ከጋጥሞም ከምዝኽእል እውን ኣጠንቂቖም ነይሮም።

ዘለዎም ኣፈላላያት ንምፍታሕ ንመራሕቲ ነገዳት፣ደቂ ኣንስቲዮን ጉጅለታት ስቪላ ማሕበረሰባትን ብምስታፍ ልዝብን ድርድርን ከካይዱ ፀዊዕም።

ድሕሪ ማዕልታት ፑንትላንድ ምስ መንግስቲ ሞቓድሾ ዘለውዋ ኩሎም ርክባት በቲኻ’ላ።

ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝኾና ዞባታት ናይ ባዕለን ፌደራል መንግስቲ ከጣይሻ ከምዝኽእላ ሕገ መንግስቲ ሱማሊያ ይፈቅድ።ጋልጉዱድ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት መንግስቲ ሱማሊያ እትርከብ ዞባ እንትኸውን ሙዱግ ግን ኣብ ኽልተ ዝተመቐለት እያ።እቲ ሓደ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፑንትላንድ፤እቲ ካሊእ ድማ ምስ መንግስቲ ሱማሊያ ርክብ ብዘለዎም ከባቢያዊ ሰበስልጣን ትመሓዳደር።

ፖለቲከኛ ፑንትላንድ ዝኾኑ መሓመድ ዓሊ ሓሺ ሙዱግ ኣብ ክልተ ዝተመቐለት ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብ መንጎ ክልተ ነገዳት ደም ሰፍሰሰ ግጭት ድሕሪ ምክያዱ ስለዝኾነ ናብ ሓደ ንምምፃእ ቀሊል ኣይኸውንን ይብሉ።

ቅድሚ እቲ ውሳነ ኣቐዲሞም ክስርሑ ዘለዎም ብዙሓት ነገራት ኣለው፤እንተ ድኣ ተሰማሚዖም ፀገም የለን።እንድሕር ዘይተሰማሚዖም ግን ክተገድዶም ኣይትኽእልን ይብሉ።

ሓድ ሓደ መራሕቲ ዓሌትን ከባቢያዊ ጉጅለታትን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንዝተፈረመ ስምምዕ ተቓዊሞምዎ ምንባሮም መራኸቢ ብዙሃን ሱማሊያ ፀብፂበን ኣለዋ።

ሓድሽ ፌደራላዊ መንግስቲ ንኽምስረት ዝድግፉ ፖለቲከኛ ማእኸላይ ሱማሊያ ዓሊሓሺ መሓመድ ሳሓል ህዝብን መራሕትን ክልቲአን ዞባታት እንታይ ዓይነት መንግስቲ ከምዘድልዮም ባዕሎም ክውስኑ ኣለዎም ይብሉ።

ኣብ ጉዳይ ፖለቲካ ዘማኽሩ ኣብ ሞቓድሾ ናይ ዝመደብሩ ትካል ሓላፊ ዝኾኑ ዓብዲራሕማን መሓመድ ሓድሽ መንግስቲ ንምፍጣር ዝግበር ፃዕሪ ንማእኸላይ መንግስትን ንግዚያዊ ሕገ መንግስቲ ፌራልን ፈተና እዩ ይብሉ።

ኣብ መንጎ ፖለቲከኛታት መወዳእታ ኣልቦ ጭቕጭቕ ዋላ እንተሃለወ እውን ሕቡራት መንግስታትን ማሕበረሰብ ዓለምን ከይዲ ፌደራሊዝም ዝተረጋገአትን ሰላማዊትን ሱማሊያ ኣብ ምፍጣር ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ ክብሉ ብተደጋጋሚ ይደፍእሉ ኣለው።

XS
SM
MD
LG