ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እምቢተኛ ቀ/ሚ ሶማልያ ህዝባዊ ተቀባልነት ኣለዎ ተባሂሉ


ምስ ውዕል ካምፓላ ግና ኣይሰመረን

ንውዕል ካምፓላ ረጊፆም ስልጣን ኣየርክብን ዝበሉ ቀ/ሚ ሶማልያ፣ኣብ‘ታ ብኲናት ዝተሃወኸት ሶማልያ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቀባልነት ከምዝኸሰቡ ተገሊፁ።

ኣሻሓት ሶማልያውያን ስግኣት ማእሰርቲ ከይዓገቶም ናብ ኣደባባይ ብምውሓዝ ንውዕል ካምፓላ ኣይንቅበልን ኢሎም‘ዮም።እቲ ቅድሚ ሰሙን ብሽምግልና ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሰቨኒ ዝተኸትመ ውዕል፣ነቲ ኣብ ሞንጎ ፕረዚደንት ሸኽ ሸሪፍ ሸኽ ኣሕመድን ኣፈ-ጉባኤ ፓርላማ ሶማልያ ሸሪፍ ሓሰን ሸኽ ኣደንን ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ደውታ ፈቲሑ፣ንሃገራዊ ምርጫን ሓድሽ ሕገ-መንግስቲን ባይታ ከጣጥሕን ተስፋ ነይሩ።

ኣብ ጎደናታት ሶማልያ ዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ ግና ንሓደ ኣገዳሲ ስምምዕነት ክልቲኦም መራሕቲ ኣበርቲዑ ዝተቃወመ‘ዩ።ነቲ ቀ/ሚ ካብ ስልጣን ይውረድ ዝብል ዓንቀፅ።

ተንታኒ ብሩስለስ ዝመደብሩ ዓለም-ለኸ ጉጅለ ቅልውላው ራሽድ ዓብዲ ኣብ ዝሃቦ ሪኢቶ‘ሎ ”እዚ ቀ/ሚ እዚ፣ብፕረዚደንት ዝተመዘዘ፣ብኣፈ-ጉባኤ ግና ካብ መጀመርትኡ‘ውን ብዓይኒ ጥርጣረ ዝተረኣየ ሰብ‘ዩ።ካቢነ‘ውን እንተኾነ ብዘይ ናይ ቀ/ሚ እወንታ ዝቆመ‘ዩ።ስለዚ ብዘይ ደገፍ ፓርላማ፣መደባቱ ዝዓየሉ ዕድል የለን ማለት‘ዩ።ሓደ ቀ/ሚ ካብ ኣፈ-ጉባኤ ድጋፍ ኣይረኸበን ማለት ድማ፣ኣብ ውሽጢ መሰጋገሪ መንግስቲ ህድኣት የለን ማለት‘ዩ” ይብል።

ሚስተር መሓመድ፣ቀ/ሚ ኮይኖም ዘሕለፍዎ ጊዜ ሸውዓተ ወርሒ‘ኳ ኣይመልአን።እንተኾነ ንፁር ኣሰራርሓ ዝኽተሉን ልዕሊ ዓሌታዊነት ስለዝሓስቡን ተባሂሎም ግና ካብ ህዝቢ ሶማልያን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ተናኢዶም‘ዮም።

ኪኢላ ኣድማሳዊ ትካል ቅልውላው ሚስተር ኣብዲ፣ቀ/ሚ ተቀባልነት ክኸስቡ ግድን‘ዩ ይብል።

ንሱ ወሲኹ”ንብዙሓት ዘገረመ ቀ/ሚ እዩ።ብዙሕ ነገር ኣይፈፀን።ግን ሓያል ዓቅሚን ንስራሕ ተገዳስነትን ዘለዎ ሰብ‘ዩ።ካብ‘ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ቀ/ሚ ዝበለፀ እዩ ዝብል ገምጋም ኣለኒ“ ይብል

ቀ/ሚ ኣብ ዘፈራት ፅገና ፅርግያ፣ምኽፋት ኣብያተ-ትምህርቲ፣ስሩዕ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲን ሰራዊትን ልዕሊ ትፅቢት ድጋፍ ህዝቢ ከምዘርከበ ኣማኻሪ‘ቶም ቀ/ሚ ዓብዲራሕማን ኦማር ኦስማን ይገልፅ።

ኦስማን ወሲኹ” እዚ ወቅቲ‘ዚ ኣብ ሞቃዲሾን መላእ ዓለምን ታሪኻዊ ወቅቲ‘ዩ።ህዝቢ ንመንግስቲ ዝድግፈሉ ጊዜ‘ዩ።ንፈለማ ጊዜ፣ህዝቢ ሕጉስ ኮይኑ ንቀ/ሚ ዝደገፈሉ ጊዜ ኢና ንሪኢ ዘለና።እቲ ኣዝዩ ተቀባልነት ዝረኸበ መራሒ ኮይኑ‘ሎ” በለ።

ይኹን‘ምበር፣ፓርላማ ሶማልያ ንቀ/ሚ ደገፉ እንተገሊፁ፣ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንፕረዚደንትን ኣፈ-ጉባኤን ንምትዕራቅ ንዝጀመሮ መስርሕ ከተዓናቅፎ ይኽእል‘ዩ።

ዓለም-ለኸ ድጋፍ ዝረኸበ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልያ፣ኣንፃር‘ቲ ንዝሓለፉ 4 ዓመታት ንዝዓዘዘ ክፋል ደቡባውን ማእከላይን ሶማልያ ዝተቆፃፀረ ኣል-ሸባብ ይዋጋእ ከምዘሎ ዝፍለጥ‘ዩ።ሓድሽ ቀ/ሚ ኣብ ዝተመዘዘለን ሒደት ኣዋርሕ፣መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልያ፣ንኣል-ሸባብ ካብ ገለ ክፋል ጌዶን ዶብለይን ከምዝደፍአ‘ውን እቲ ዜና ይሕብር።

XS
SM
MD
LG