ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል፡ ኣብ ድሮ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ብልሽውና ገኒኑ ኣሎ ተባሂሉ


ፕረዝደንት ሶማል ሓሰን ማሕሙድ
ፕረዝደንት ሶማል ሓሰን ማሕሙድ

ኣብ ሶማል ቕድሚ’ቲ ረቡዕ ዝኻየድ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ብልሽውና ገኒኑ ይረኣይ ኣሎ።ሕጹያት መንበሮም ከይምንጠሉ ንአባላት ባይቶ ገንዘብን ህያባትን የበርኽቱ’ለው።

23 ህጹያት አንጻር ፕረዝደንት ሓሰን ማሕሙድ ይወዳደሩ’ለው።

ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጸረ ብልሽውና ኣብዲ እስማዒል ሳማታር ነቶም ብላዕ ዝቕበሉን ዝህቡን ዘለው ከቀላዓኹም’የ ክብል ኣጠንቒቑ’ሎ።

እቲ ምርጫ ብተደጋጋሚ ክናዋሕ ጸኒሑ’ሎ፡ ቦታ ምርጫ’ውን ከምዝቕየር ተጌይሩ’ሎ።

18 ሕጹያት ስግኣት ጸጥታ ምስ ኣልዓሉ ምርጫ ኣብቲ ብጽኑዕ ዝሕሎ ቀጽሪ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቃዲሾ ተሓጺሩ ክኻየድ ተወሲኑ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሶማል፡ ኣብ ድሮ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ብልሽውና ገኒኑ ኣሎ ተባሂሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:27 0:00

XS
SM
MD
LG