ዋሽንግተን —
ናይ ሶማል ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ሎም ቅነ ድሕሪ’ቲ ኣብ ሞቃዲሾ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም ምንባሮም ተገሊጹ።
እቶም መራሒ ሶማል ናብ ኢትዮጵያ ዝኸዱ ኣብቲ ምስ አልሸባብ ዝካየድ ውግእ ዝያዳ ደገፍ ንምርካብ ምኳኑ’ውን ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ኢትዮጵያ አቶ መለስ አለም ገሊጾም።
ኣቶ መለስ አለም ብተወሳኺ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ምዝርራቦም እውን ወሲኾም ገሊጾም።