ሞቃዲሾ ብግጭት ራእሲ ነበርን፣ስሙር ግንባር መንግስቲን ዓቀብቲ ሰላምን እናተናወፀት’ያ ሓዲራ።ነበርታ‘ውን ተሰናቢዶም‘ዮም ሓዲሮም።
ድሕሪ‘ቲ ግጭት መግለፂ ንቪኦኤ ዝሃቡ ወሃቢ-ቃል መንግስቲ፣እቲ ተኹሲ ብምልሻታት ሓደ ራእሲ-ነበር ከምዝተወለዐ ክዛረብ ከሎ፣እቲ ራእሲ ነበር ብወገኑ ሓይልታት ስሙር ግንባር ናብ ከባቢና ስለዝተፀጉዑና‘ዮም ተወሊዑ ይብል።
እንተኾነ ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ህድኣት ተመሊሱ‘ሎ።ዝተወሰኑ ተቀቲሎም ካልኦት እውን ተማሪኾም‘ለው።