ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ሶማልያ ሸሞንተ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ቀቲለ ኢሉ


ሃገራዊ ሰራዊት ሶማልያ ኣብ ማእኸላይ ሶማልያ ሎሚ ረቡዕ ኣብዘካየዶ ወታደራዊት ስርሒት ሸሞንተ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ብምቕታል ኣፅዋራት ከምዝሓዘ ሰበስልጣንን ነበርትን ገሊፆም።

ኮለኔል ኣሕመድ መሓመድ ትረዲሽ ንቪኦኤ ክፍሊ ሱማሊኛ ኣብዝሃብዎ ሪኢቶ እቲ ስርሒት ኣብ ከባቢ ከተማ ማሳጋዋ እዩ ተኻይዱ።

‘’ብፍሉይ ዝሰልጠኑ ወተደራት ኣባል ኣሃዱና ንኣል-ሸባብ ንምፅራግ ስርሒታ ብምክያድ ንሸሞንቲኦም ቀቲልና ሓደገኛ ኣፅዋር ማሪኽና ኣለና’’ኢሎም።ሓደ ወታደር መንግስቲ ከምዝተቐትለ እውን ወፂሲኾም ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG