ሃገራዊ ሰራዊት ሶማልያ ኣብ ማእኸላይ ሶማልያ ሎሚ ረቡዕ ኣብዘካየዶ ወታደራዊት ስርሒት ሸሞንተ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ብምቕታል ኣፅዋራት ከምዝሓዘ ሰበስልጣንን ነበርትን ገሊፆም።
ኮለኔል ኣሕመድ መሓመድ ትረዲሽ ንቪኦኤ ክፍሊ ሱማሊኛ ኣብዝሃብዎ ሪኢቶ እቲ ስርሒት ኣብ ከባቢ ከተማ ማሳጋዋ እዩ ተኻይዱ።
‘’ብፍሉይ ዝሰልጠኑ ወተደራት ኣባል ኣሃዱና ንኣል-ሸባብ ንምፅራግ ስርሒታ ብምክያድ ንሸሞንቲኦም ቀቲልና ሓደገኛ ኣፅዋር ማሪኽና ኣለና’’ኢሎም።ሓደ ወታደር መንግስቲ ከምዝተቐትለ እውን ወፂሲኾም ገሊፆም።