ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምልሻታት ደገፍቲ መንግስቲ ሱማሊያ ከበድቲ ምጥሓስ መሰላት ይፍፅሙ ከምዘለው ተገሊጹ


ወታደራት ኢትዮጵያን ዕጡቓት ጉጅለታት ሱማሊያን ንኣል-ሸባብ ካብ ባይድዋን በለደወይንን ፀራሪጎም ምስኣውፅኡዎ ሽግር ፀጥታ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ይርከብ

ደገፍቲ መንግስቲ ሱማሊያ ዝኾኑ ምልሻታት ቅድም ክብል ብኣል-ሸባብ ተታሒዞም ኣብዝነበሩ ቦታታት መርሸንትን ካልኦት ከበድቲ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ይፍፅሙ ከምዘለው ህይውማን ራይትስ ዎች ዝተብሃለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ።ኣብቶም ነፃ ዝወፁ ከባቢታት ዝነብሩ ነበርቲ ንመን ክኣምኑ ከምዝኽእሉ ርግፀኛታት ኣይኮኑን ይብል እቲ ጉጅለ።

ህይውማን ራይትስ ዎች ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውፅኦ ሓዱሽ ሪፖርት ከምዝበሎ ወታደራት ኢትዮጵያን ዕጡቓት ጉጅለታት ሱማሊያን ንኣል-ሸባብ ካብ ባይድዋን በለደወይንን ፀራሪጎም ምስኣውፅኡዎ ሽግር ፀጥታ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከብ ይገልፅ።

ብመሰረት እቲ ፀብፃብ ንኣል-ሸባብ ዘባረሩ ሓይልታት ፀጥታ ኣብተን ዝተቖፀፀሩወን ከተማታት ደገፍቲ ኣል-ሽበባ ንዝብሉዎም ሰባት ይርሽኑን ይኣስሩን ምህላዎም ዜጋታት ገሊፆም ኣለው ይብል።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ምስ ኣል-ቃይዳ ርክብ ዘለዎ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ኣብ ልዕሊ ወታደራት ኢትዮጵያን ተሓባብርቶም ምልሻታትን ደማዊ መጥቓዕትታቱ ቀፂሉ’ሎ።

መፅናዕቲ ዘካይዳ ሰራሕተኛ ህይውማን ራይትስ ዎች ሌይቲሺያ ባደር ሲቪላት ኣብ ማእኸል ናይ ቶኽሲ ልውውጥ ከምዝኣትው ይገልፃ።ኣስዒበን ድማ ‘’እቶም ዘዘራረብናዮም ሰባት ኣብ ትሕቲ ኣል-ሸባብ እናሃለና እንተወሓደ ዝስዕበና ስለእንፈልጥ እንታይ ከምእንገብር ንፈልጥ ኢና።ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን እቶም መጥቓዕትታት ካብ መን ከምዝፍነው ኣይንፈልጥን ክብሉ ገሊፆምልና እዮም።’’

ምሽልሻታት ሸበሌ ቫሊ ዝተብሃሉ ዕጡቓት ኣብ በለደወይኒ ንዝተፈፀሙ መግሃስትታት ተሓተቲ ምዃኖም ህይውማን ራይትስ ዎች ይገልፅ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ይብል እቲ ፀብፃብ ናይ ኣል-ሸባብ ዓርሰ-ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ይጥቀምሉ ንዝነበሩ ህንፃ ምስ ኣዕነውዎ ኣባላት እቶም ምልሻታትን ሓይልታት ኢትዮጵያን ንብርክት ዝበሉ ሰባት ኣሲሮም።

ነፃ ዝወፁ ሓደሽቲ ከባቢታት ዝቆፃፀሩ ምልሻታት ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱማሊያ ደገፍ ኣለዎም።

ከባቢያዊ ሰበስልጣን ሱማሊያ ብኹሎም ጉጅለታት ዝፍፀሙ መግሃስቲ ንኽምርምሩዎ ህይውማን ራይትስ ዎች ፀዊዑ’ሎ።

XS
SM
MD
LG