ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገንዘባዊ ወፈያ - ንዳግመ ህንፀት ሶማልያ


ኮንፈረንስ ለንደን
ኮንፈረንስ ለንደን
ብሪጣንያ፣ኣሜሪካን ካልኦት ዓለም-ለኸ ለገስቲን፣ነታ ንዝሓለፉ ኣስታት ዕስራ ዓመታት ካብ ዘጋጠማ ጥፍኣት ንምሕዋይ ትፅዕር ዘላ ሶማልያ ንምሕጋዝ፣ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ሚልዮን ዶላር ክንልግስ ኢና ኢሎም።

28 ሚልዮን ዶላር ንምዕባለ፣ንስልጠና ሓይሊ ፖሊስ፣ዳያኑን ጠበቃታትን እንግሊዝ ክትልግስ‘ያ ዝበሉ ቀ/ሚ እንግሊዝ ዴቪድ ካምርን፣ ንሶማልያ ምሕጋዝ ህፁፅን ኣገዳሲን ምኻኑ ጠቂሶም።

”ኣብ‘ዚ ቀረባ ዓመታት፣ኣብ ኣፍጋኒስታን ፓኪስታንን ኣንፃር ኣል-ቃይዳ ርኡይ ለውጢ ኣመዝጊብና ኢና።ኣብ ገለ ክፋል ኣፍሪቃ ግና፣ሓድሽ ስግኣት ፈጠራ ራዕዲ ተቀላቂሉ’ዩ። ፅንፋዊነት ንሓንጎል ሶማልያውያን መናእሰይ ይምርዞምን ንፈጠራ ራዕዲ የቃልዖምን‘ሎ። ስግኣት ፀጥታና ኣብ ልዕሊ ምኻኑ፣ሸለል እንተይልናዮ፣ማዕረ’ቲ ኣብ ተስዓታት ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝፈፀምናዮ ጌጋ፣ኣብ ሶማልያ ክንደግም ኢና ማለት‘ዩ” ኢሎም።

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድ፣ነቶም ኣብ ለንደን ዝተኣከቡ ልዕሊ ሓምስ ሃገራትን ለገስቲን ከምዝገለፅዎ፣ሶማልያ ፈተናታት ኣብ ቅድሚኣ ይፅበያ‘ሎ።ግን ሳላ ዓለም-ለኸ ሓገዝን ኢንቨስትመንትን ክትሰግሮ‘ያ ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም”ነቶም ዘመዝገብናዮም ዓበይቲ ኣዎንታታት ክንስእን ስለዘይንደሊ፣ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ጎንና ኮይኑ ክሕግዘና ኣለዎ።ኣብ ሶማልያ ምልክት እግሪ ምትካልን ቁጠባዊ ምልዕዓልን ንሪኢ ኣለና ኢና።ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ሓገዝ እንተረኺብና፣መንግስቲ ሶማልያ ንትፅቢት ህዝቢ ሶማልያን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ከማልእ‘ዩ”ኢሎም።

እቲ ኣብ ለንደን ትማሊ ዝተሳለጠ ኮንፈረንስ፣ድሕሪ ዓሚ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ናብ ሓድሽ ፓርላማን መረፃ ፕረዚደንት ዘብፀሐን ኣኼባ ስ
ስዒቡ ዝተካየደ‘ዩ።
XS
SM
MD
LG