ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታደራት ትሕዝቶ ኣል-ሸባብ ናብ ዝኾነት ከተማ ኪስማዮ ይግስግሱ ኣለው ተባሂሉ


ኣል-ሸባብ ኣብታ ከተማ ንዝነብሩ ስቪላት ንኽዋግእሉ የተሓባብሮም ከምዘሎ ተፈሊጡ

ምስ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱማሊያ ናይ ዝተሓባበር ሚሊሽያ ሓደ ወሃቢ ቃል ወታደራት ናብ ናይ መወዳእታ ፅንዕቲ ትሕዝቶ ኣል-ሸባብ ዝኾነት ከተማ ኪስማዮ እናገስገሱ ምዃኖም ኣፍሊጦም።ደጋፊ መንግስቲ ዝኾነ ምልሻ ራስ ካምቦኒ ከምዝበሎ እቲ ኣኽራሪ ጉጅለ ዝፍነዎ መጥቓዕቲ ንምምካት ኣብታ ወደባዊት ከተማ ንዝርከቡ ስቪላት የተሓባብር ከምዘሎ ሓቢሮም።

ወሃቢ ቃል ምልሽያ ራስ ካምቦኒ ዝኾኑ ኣብዲናስር ሴራር እቲ ንኪስማዮ ንምሓዝ ዝግበር ናይ መወዳእታ መጥቓዕቲ ኣብዝቕፅል ሰሙን ክጅመር ትፅቢት ይግበር ኢሎም።እቲ መጥቓዕቲ ብብዙሓት ግንባራት ከምዝፍኖ’ውን ገሊፆም።

ሓይልታቶም ካብ ኪስማዮ 75 ኪሎሜትራ ሪሒቖም ከምዝርከቡን ንኪስማዮ ብዝተፈላልየዩ ኣንፈታት ማለት’ውን ብባሕሪን ብብርክት ዝበላ ከተማታትን ኣጥቒዖም ከምዝሕዙዋን ሴራር ሓቢሮም።

ሓይልታት ሕብረት ኣፍሪካ‘ውን 75 ኪሎሜትር ካብ ከተማ ኪስማዮ 45 ኪሎሜትር ድማ ካብ ከተማ ኣፍማዶው ርሒቓ ንእትርከብ ከተማ ቢቢ ምሓዞም ገሊፆም ኣለው።

ሴራር ከምዝበልዎ ራስ ካምቦኒ ኣብ ኪስማዮ ዘሎ ሃዋህው ይከታተሎ ከምዘሎን ዓበይቲ ዓዲ እቲ ከባቢ ኣል-ሸባብ ኣንፃር ዘይኣመንቲ ንዝብሎም ሓይልታት ኣትሪሮም ንኽዋግኡ ንምትብባዕ ምስቶም ዓበይቲ ዓዲ ምርኻቡን ፀብፃብ ስልያ ከምዘለዎም ሓቢሮም።እንተኾነ ኢሎም ሴራር ኣል-ሸባብ ሓይልታቱ ካብታ ከተማ ክስሕብ ይኽእል እዩ ኢሎም።

እንተኾነ ግን ኣል-ሸባብ ኣብ መንጎ ኣፍማዶውን ኪስማዮን ኣብዝርከብ ቢርታ ዲር ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ሓድሽ ናይ መከላኸሊ ዕርዲ ከምሰርሐ ካልኦት ምንጭታት ንቪኦኤ ሓቢሮም ኣለው።

ቢርታ ዲር ንቶም ኣኽረርቲ ስትራተጂያዊት ቦታ ስለዝኾነት እታ ቦታ እንድሕር ተመንዚዖም ኣል-ሸባብ ንከተማ ኪስማዮ ንምክልኻል ከፀግመሎም እዩ።

XS
SM
MD
LG