ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወፃእተኛ ወትሃደራዊ ወፍሪ ኣብ ሶማልያ ንግዳያት ደርቂ ዝገደደ ይጎድኦም ኣሎ ተባሂሉ


ሕ/መ፡ትካላት ረድኤትን ተንተንትን በዚ ገምጋም ይሰማምዑ

ትካላት ሕ/መ፣ረድኤትን ተንተንትን፣ኣብ ሶማልያ ዘሎ ወፃእተኛ ወትሃደራዊ ኢድ ምትእትታው፣ሰብኣዊ ቅልውላው ንዘጓነፎም ግዳያት ደርቂ ኩነታቶም ዘጋድድ ኮይኑ‘ሎ ኢሎም።

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ሰብኣዊ ኩነታት ሕ/መ ኣብ‘ዚ ሰሙን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፣እቲ ኣብ ደቡባዊ ሶማልያ ይካየድ ዘሎ ኲናት ኣል-ሸባብን ሰራዊት ኬንያን ከስዕቦ ዝኽእል ሳዕቤን ሻቅሎቱ ገሊፁ‘ሎ።

እቲ መግለፂ፣ህይወት‘ቶም ኣብ ፀገም ዝወደቁ ሶማልያውያን ዝገደደ ይተሓላለኽ‘ሎ ይብል።

ኣብ ቤት ምኽሪ ኣትላንቲክ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ዝትንትን ፒተር ሃም፣ኬንያ ኣብ ኣል-ሸባብ ዝቆፃፀሮም ከባቢታት ብጠንቂ ትፍፅሞ ዘላ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ግዳያት ደርቂ ናብ ጥቃ ኬንያ ዘለዋ ካምፕታት ከይዶም ረድኤት ክረኽቡ ዓንቂፉዎም‘ሎ ይብል።

”ናብ እኽሊ ዝረኽቡሉ ከባቢ ንከይንቀሳቀሱ ተኣጊዶም‘ለው።ስለዚ ንሓፂር ጊዜ‘ውን እንተኾነ ኣብ ከቢድ ኩነታት‘ዮም ክፀንሑ” ይብል ንሱ።

ማይ ምውቃዕ ጀሚሩ‘ዩ።ግን ሓረስቶት ናብ ከባቢኦም ተመሊሶም ነቲ ዝተቀበልዎ እኽሊ ንምዝራእ ፍርሒ ዕንቅፋት ኮይንዎም‘ሎ ይብል ኦክስፋም ትካል-ረድኤት-እንግሊዝ።

ሰራዊት ኬንያ ድሕሪ-ድሕሪ ኣል-ሸባብ ንክምርሽ ከምምኽንያት ዝጠቅሶ፣ ዶብ ሰገር ጨወያ ተፈፂሙኒ ኢሉ‘ዩ።ሶማልያውያን ሲቪላት ምስ ኣል-ሸባብ ንከይውግኑ‘ውን ኣጠንቂቁ‘ሎ።

ኣል-ሸባብ ግና ኣብ‘ቲ ምጭዋይ ኢድ የብለይን ክብል ከሎ፣ተግባር ሰራዊት ኬንያ፣ደገፍቲ ንክምልምለሉ ይብለፀሉ ከምዘሎ እቲ ዜና ይሕብር።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብ ዋሽንግተን ንማእከል መፅናዕቲ ኣድማሳዊ ስትራተጂ ዝሰርሕ ሪቸርድ ዳውንይ፣ወትሃደራዊ ወፍሪ ኬንያ ከም‘ቲ ቅድሚ ዓመታት ንእስላማዊያን ተወጋእቲ ንምቅባፅ ዝተፈነወ ናይ ኢትዮዽያ ወትሃደራዊ ስጉምቲ ኮይኑ ኣይተርፍን ይኸውን ዝብል ገምጋም ኣለዎ፥

“ኬንያ ኣብ ሶማልያ ነዊሕ ብዝፀንሐት ቁፅሪ፣ሓደግኡ‘ውን ክንድኡ‘ዩ ዝዓቢ። እዚ ኩነታት‘ዚ፣ቅድሚ ፭ ዓመታት ኢትዮዽያ ንሶማልያ ኣብ ዝወረረትሉ እዋን ሪኢናዮ ኢና።ነዊሕ ወትሃደራዊ ዒላማኣ ንፁር ኣይነበረን።ነዊሕ ስለዝፀንሐት፣እቲ ሎሚ ኣጋጢሙና ዘሎ ገዚፍ ጉጅለ ናዕበኛታት‘ዩ ፈጢሩ” ኢሉ።

ኣሜሪካ ንኣል-ሸባብ ቅድሚ 3 ዓመት ጉጅለ ፈጠራ ራዕዲ ኢላ ከምዝገፀቶ ዝዝከር‘ዩ።

ግጭት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ብርቱዕ ዝናብን ኣል-ሸባብን‘ውን ግዳያት ረድኤት ንከይረኽቡ ዓንቂፎም‘ለው።ካብ ኣርባዕተ ሚልዮን ሶማልያዊያን ተፀበይቲ፣ፍርቆም’ዮም ረድኤት ይረኽቡ ዘለው።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ትካል ህፃናት ሕ/መ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፣150 ሽሕ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦምን ብጉድለት ኣመጋግባ ይሳቀዩ ዘለውን ህፃናት፣ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ክሞቱ ይኽእሉ‘ዮም ይብል።

XS
SM
MD
LG