ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ተጨዊየን ዝፀንሓ ኢንግሊዛዊት ተፈቲሐን


ዕጡቓት ሱማሊያዊያን 56 ዓመት ንዝዕድሚኣ ጁዲ ተቡት ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ጥቓ ዶብ ሱማሊያ ካብ ዝርከብ ሓደ ናይ ኬንያ ናይ ወሰን ባሕሪ መዘናግዒ እየን ተጨውየን

ኣብ ውሽጢ ሱምሊያ ንሹድሽተ ኣዋርሕ ተጨውያ ተታሒዛ ዝነበረት ሓንቲ ኢንግሊዛዊት ጛልኣንስተይቲ ንጨወይተን ገንዘብ ምስተኸፈለ ሎማዕንቲ ረቡዕ ተፈቲሐን።

ዕጡቓት ሱማሊያዊያን 56 ዓመት ንዝዕድሚኣ ጁዲ ተቡት ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ጥቓ ዶብ ሱማሊያ ካብ ዝርከብ ሓደ ናይ ኬንያ ናይ ወሰን ባሕሪ መዘናግዒ እየን ተጨውየን።

ብዓልቲ ቤተን ዴቪድ ንዘይምጭዋይ ብምክልኻሉ ከምዝተቐተለ ፖሊስ ኬንያ ይገልፅ።ንሰን ግን እቶም ጨወይቲ ብፈጣን ጀልባ ኣቢሎም ከምዝወሰዱወንን ኣብ ማእኸላይ ሱማሊያ ተታሒዘን ከምዝፀንሓን ይእመን።

ፀብፃብት መራኸቢ ብዙሃን ከምዝሓበርዎ ሱማሊያዊያን ኸተርቲ ባሕሪ ገንዘብ ምስተኸፈሎም ንከባቢያዊ ሰበስልጣን ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣረኪቦምወን።

ወሃቢ ቃል መሰጋገሪ መንግስቲ ሱማሊያ ኦማር ዑስማን ቀዳማይ ምንስቴር ሱማሊያ ተቡት ንኽፍትሓ ኣብ ልዕሊ ከባቢያዊ ጉጅለታት ድፍኢት ንምሕዳር ፈቲኖም ነይሮም ይብሉ።እንተኾነ ግን መሰጋገሪ መንግስቲ ሱምሊያ ብዘለዎ ውሱን ፖለቲካዊ ዓቕሚ ብዙሕ ክሰርሕ ትፅቢት ኣይግበረሉን ይብሉ።ስለዝኾነ ድማ ይብሉ ብምቕፃል ማሕበረሰብ ዓለም ትካላቶም ኣብ ምህናፅ ክሕግዞም ፀዊዖም።

ሓንቲ ፈረንሳዊት ኣካለ ሰንኩል እውን ተቡት ምስተጨወየት ሽዑ ንሽዑ ብሱማሊያዊያን ዕጡቓት ተጨዊያ ኣብ ሱምሊያ ተታሒዛ እናሃለወት ድማ ህይወታ ሓሊፉ።

ሱማሊያዊያን ጨወይቲ ንኽልተ ስፔይንዊያም ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣብ ሰሜናዊ ኬንያ ካብ ዝርከብ መዕቖቢ ስደተኛታት ዳዳብ ጨዊዮም ዛጊድ ሒዞምዎ ይርከቡ።

XS
SM
MD
LG