ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ዓበይቲ ዓዲ ሶማልያ ውክልና ህዝቢ ኣለዎም' ይብሉ ባዓል ስልጣን ሕ/መ


ኣባላት ቤት ምኽሪ ንምምራፅ ምስ ህዝቢ ክማኸሩ'ዮም

ንጉዳይ ሶማልያ ንክዝትይሉ ኣብ ኬንያ ዝተራኸቡ ዓበይቲ ዓዲ ሶማልያ፣ ወከልቲ ህዝቢ ምኻኖም ባዓል ስልጣን ሕ/መ ገሊፆም።

ወኪል ዋና ፀሓፊ ሕ/መ ኮይኖም ንጉዳይ ሶማልያ ዝከታተሉ ኣምባሳደር ኣጉስቲን መሂጋ፣ንኣባላት ቤት ምኽሪ ንምምራፅ ሕጋዊያን ወከልቲ‘ዮም ኢሎም።

ዓበይቲ ዓዲ ንዝውክልዎ ህዝቢ ብዛዕባ ዝመርፅዎም ሰባት ክማኸሩ‘ዮም።እዚ ነቶም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣል-ሸባብ ዘለው ቀሊል ኣይኮነን፣ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ንዝነብሩ ሶማልያውያን ግና ቀሊል‘ዩ ይብሉ እቶም ባዓል ስልጣን።

XS
SM
MD
LG