ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ሶማልያ ምስ ጁባላንድ ሰነድ ሰላም ከቲሙ


Người hành hương Hồi giáo tụ tập trên núi Arafat gần Mecca khi họ cử hành một trong nhiều những nghi lễ Hajj vào cuối ngày.
Người hành hương Hồi giáo tụ tập trên núi Arafat gần Mecca khi họ cử hành một trong nhiều những nghi lễ Hajj vào cuối ngày.
መንግስቲ ሶማልያን ምምሕዳር ጁባላንድን፣ውዕል ሰላምን ምትእምማንን ሎሚ ረቡዕ ተፈራሪሞም።

እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሞንጎኛነት ኢጋድ ዝተፈረመ ባዓል ኣርባዕተ ዓንቀፃት ውዕል፣ኣብ ጁባ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክምስረት፣ፈደራላዊን ታሕተዎትን መሓውራት ምዝርጋሕ፣ሓይልታት ፀጥታ ምውድብን ዕርቅን ምትእምማንን ምጥንኻርን ዝብሉ ዝሓዘ‘ዩ።

ነቲ ውዕል ብስም ኢጋድ ዘፈራረሙ ምንስትር ወፃኢ ኢትዮዽያ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንቪኦኤ ከምዝገለፅዎ፣ናብ‘ዚ ብርኪ‘ዚ ንምብፃሕ ክልቲኦም ወገናት ብዙሕ ሰሪሖም‘ዮም ኢሎም።

መስርሕ ልዝብ ኣብ መትከላት ዝተመርኮሰ ምንባሩ ዝገለፁ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ክልቲኦም ወገናት ገፅ ንገፅ ተራኺቦም ምልዛብ ድሕሪ ምጅማሮም ብርክት ዝበሉ ዕንቅፋታት ከምዝተወገዱ ጠቂሶም።

“ዝተረዳድኡሎም ነጥብታት ብሙልኦም ኣብ መትከል ዝተመርኮሱ‘ዮም።ኣብ ትግባረ’ቲ ውዕል ድማ ብዙሕ ዘፀግመሎም ኩነታት ኣይህሉን።ናብ‘ዚ ብርኪ‘ዚ ዝተበፅሐ፣ስለሰላም ኢሎም ንስኻ‘ውን ግደፍ፣ንስኻ‘ውን እዚ ግደፍ ተባሂሎም ዘይኮነስ ኣብ መትከል ዝተሰረተ ልዝብ ስለዝተካየደ‘ዩ” ኢሎም።

ክልቲኦም ናይ ሶማልያ ተናሓናሕቲ ወገናት እምነት ኣሕዲሮም ኢትዮዽያ ንክትሽምግሎም ምምራፆም ዝገለፁ ዶ/ር ቴድሮስ፣እዚ ናይ ሎሚ ውዕል ሰላም፣ንካልኦት ክልላት ሶማልያ ከምመርአያ ክውሰድ ከምዝኽእል ገሊፆም።

ኣብ ምዕዋት‘ቲ ውዕል ብዘይካ ኢጋድ፣ሕብረት ኣፍሪቃ፣ሕብረት ኣውሮዻ፣ ኣሜሪካን ሕቡራት ሃገራትን ልዑል ኣበርክቶ ከምዝነበሮም ተፈሊጡ‘ሎ።
XS
SM
MD
LG