ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ጁባላንድ ኣነ‘የ ኣነ’ባ ዝብሉ ራእስታት ተላዒሎም


KISMAYO
KISMAYO
ኣብ ደቡባዊ ሶማልያ ሓድሽ ፖለቲካዊ ምግምማዕ ተፈጢሩ።እዚ ውጥረት‘ዚ ዝተፈጥረ፣መራሒ ዞባታት ጌዶ፣ማእከላይን ታሓተዋይን ጁባ ንምምራፅ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ልዝብ ድሕሪ ምስላጡ‘ዩ።

ኣብ ርእሰ-ከተማ‘ቲ ዞባ ኪስማዩ ዝተኣከቡ 495 ወከልቲ ህዝቢ፣ንመራሒ ምልሻታት ራስ-ኮምቦኒ ኣሕመድ ማዶቤ ፕረዚደንት ክኾን መሪፆም‘ዮም።

ይኹን‘ምበር ራእሲ ዝነበረን ንኪስማዩ ንዝሓለፉ ትሻዓተ ዓመታት ዘማሓደረን ባሬ ሂራሌ፣ኣብ ካልእ ስፍራ ብዝተሰየመ ጉባኤ ዓበይቲ ዓዲ ተመሪፀ‘ለኹ ኢሎም ኣዊጁ‘ሎ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ግዳማዊ ሓይልታት ብሕልፊ መንግስቲ ኬንያ ኣብ ጁባላንድ ዝነበራ ተራ ኣሻቃሊ ኮይኑ ከምዝረኸቦ መንግስቲ ሞቃዲሾ ኣፍሊጡ‘ሎ።

ኬንያ፣ነቲ ኣብ ራስ-ካምቦኒ ዝመዋፈሪኡ ወገን ኣሕመድ ማዶቤ ትድግፍ‘ያ። ኣሕመድ ማዶቤ፣ሰራዊት ኬንያ ኣንፃር ኣል-ሸባብ ኣብ ዝተዋገአሉ ጊዜ፣ሓገዝ ኣወፍዩሎም‘ዩ።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:33 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG