ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱማሊያ ንጋዜጠኛታት ዝኸፍአት ሃገር ተባሂላ


ግዳይ ቕንፀላ ጋዜጠኛ
ግዳይ ቕንፀላ ጋዜጠኛ
እዚ ሒዝናዮ ዘለና ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ንኽዛዘም ሰልስተ ኣዋርሕ ኣብዝተረፈሉ እዋን 2012 ንሱማሊያዊያን ጋዜጠኛታት እቲ ዝኸፍአ ዓመት ነይሩ ክብል ሓደ ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ትካል ኣዊጁ።ዋላ’ዃ እቲ ሓደጋ ዝዓበይ እንተኾነ’ውን ሱማሊያዊያን መናእሰይ ስደተኛታት ኣብ ምብራቓዊ ከተማ ናይሮቢ ናብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ጋዜጠኝነት ኢስትለይን ይውሕዙ ኣለው።
ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ብናሊ ኣብ ዝተብሃለ ሆቴል ኣብ ሻምናይ ፎቕ ጋዜጠኛታት ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ማዕልታት መወዳእታ ወርሒ መስከረም ዝተቐተሉ ሽዱሽተ ናይ ሙያ መሳርሕቶም ንምዝካር ተኣኪቦም ነይሮም።
ነቲ ዝኽሪ ዘዳለዎ ኣቦ መንበር ማሕበር ሱማሊያዊያን ስዱዳት ጋዜጠኛታት መሓመድ ዑስማን እዩ።ጋዜጠኛታት ካብ ኣል-ሸባብ ይኹን ካብ ፖለቲካዊ ተነሓናሕቲ ኩልሻዕ ሓደጋ የንፀላልዮም እዩ።
ዑስማን ክልተ መሳርሕቱ ጋዜጠኛታት ሆርን ኣፍሪክ ሚዲያ ኣብ ሓደ ማዕልቲ ምስ ተቐተሉ ኣብ 2007 ኣ/ፈ ካብ ሞቓድሾ ናብ ናይሮቢ ሃዲሙ።ኣብ ቀረባ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝፍፀም ዘሎ ቕንፀላ ናብ ሱማሊያ ንዘይምምላስ ግልፂ ምኽንያት እዩ ይብል።
ዑስማን መናእሰይ ሱማሊያዊያን ስደተኛታት ንምስልጣን ቅድሚ ክለት ዓመት ንትካል ቛንቛን ጋዜጠኝነትን ኣል-ኢምራ ኸፊቱ።
ካብ ናይ ዑስማን 30 ተምሃሮ 22 ዓመት ዝዕድሚኡ ዓብዲላዲፍ ሕልሙ ጋዜጠኛ ንምዃን ስለዝኾነ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ሓደጋ ብዘየገድስ በቲ ሙያ ከምዝቕፅል ይገልፅ።
መብዛሕቲአን ተምሃሮ ደቂ ኣንስትዮ እየን።ጓል 27 ዓመት ፋጡማ ቅድሚ ናብ ናይሮቢ ምህዳማ ኣብ ሱማሊያ ጋዜጠኛ ሬድዮ ነይራ።
ናብ ሱማሊያ ምምላስ ንደሕንነት ተራ ሰብ ሕማቕ እዩ ዝበለት ፋጡማ ቀፂላ ‘’ንጋዜጠኛታት ድማ ኣዝዩ ዝኸፍአ እዩ።ፅንዓት ክህልወካ ኣለዎ።ትብዓትን ጅግንነትን የድልየካ።ኣነ ካብቶም ክምለሱ ዝደልዩ ሰባት እየ ክኸውም ዝደሊ።’’
መብዛሕቲኦም ዝተቐተሉ ሱማሊያዊያን ጋዜጠኛታት ዒድሚኦም ኣብ 20ታትን 30ታትን ዝርከቡ እዮም።
ናይ ሓደ ዓመት ስልጠንኦም ምስ ወድኡ ፋጡማን ዓብዲላዲፍን ጋዜጠኛታት ኮይኖም ንምስራሕ ናብ ሱማሊያ ንምምላስ ቅሩባት እዮም።
XS
SM
MD
LG