ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሳልሳይ ሶማልያዊ ጋዜጠኛ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ተቀንፂሉ


ሞቃዲሾ ንጋዜጠኛታት ሓደገኛ ኮይና ኣላ

ዳይረክተር ሞቃዲሾ ናይ ዝመደብራ ፈነወ ሬድዮ፣ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ዝተቀትለ ሳልሳይ ጋዜጠኛ ኮይኑ‘ሎ።እቲ ቅትለት‘ቲ፣ግዳይ ኲናት ኮይና ዘላ ሶማልያ፣ክሳዕ ክንደይ ንጋዜጠኛታት ሓደገኛ ከምዝኾነት ዘርኢ‘ዩ።

ዝራኣዩ ከምዝምስክርዎ፣ዘይተፈልጡ ዕጡቃት፣ንኣቡበከር ሓሰን መሓመድ ትማሊ ሰሉስ ዋጂር ኣብ ዝርከብ መንበሪኡ‘ዩ ተቀንፂሉ።ንሱ ሓላፊ ናይ‘ታ ኣብ ሰሜናዊ ሞቃዲሾ ዝመደብራ ሬድዮ ሶማሊዌይን‘ዩ።

ማሕበር ጋዜጠኛታት ሶማልያ ነቲ ቅንፀላ ኣውጊዙዎ‘ሎ።መንቀሊ‘ቲ ቅንፀላ ኣይተፈልጠን።

እዚ ዳሕረዋይ ቅንፀላ ዝተፈፀመ፣ሓደ ወርሒ ድሕሪ ዳይረክተር ሬድዮ ሸበሌ ዝነበረ ሓሰን ኦስማን ኣብዲ ኣብ ጥቃ መንበሪኡ ምቅንፃሉ‘ዩ።መንግስቲ ሶማልያ ነቲ ቅትለት ኣፃርዩ ንክልተ ተጠርጠርቲ ከምዝኣሰረ‘ውን ዝዝከር‘ዩ።

ዝሓለፈ ታሕሳስ ወትሃደራት መንግስቲ፣ንጋዜጠኛ ዓብዲሰላን ሂስ፣ኣብ ሓደ መፈተሺ ነቁጣ ሞቃዲሾ ቀቲሎምዎ ይብል እቲ ዜና።

ሓላፊ ዶብ ኣልቦ ሪፖርተራት ክፍሊ ኣፍሪቃ ኣምብሮይስ ፕዬሪ፣ሲቪል ማሕበረ-ሰብን ፖለቲካዊ ተሳተፍቲን ዒላማ ቅንፀላ ኮይኖም ዘለው፣ብጠንቂ ኣተሓሳስበኦም ጥራሕ‘ዩ ይብል።

“ጋዜጠኛታት ከም‘ዚ ዒላማ ክኾኑን ኣብ መንበሪኦም ክቅንፀሉ ከለውን፣ሰባት ሓበሬታ ይቅተል ከምዘሎ‘ዩ ገይሮም‘ዮም ዝሓስብዎ።ንከም‘ዚ ናትና ትካል፣እቲ ኣገዳሲ ነገር፣ነዚ ቀለበት ቅንፀላ ደብ ምባል‘ዩ” በለ ንሱ።

ዝቀሰነ መንግስቲ ዘይብላ ከምሶማልያ ዝበለት ሃገር፣ንከምዚ ዝተፈፀመ ገበን ኣብ ምፅራይ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ሓገዝ ከበርክት ይግባእ‘ውን ይብል ሚስተር ፒዬሪ።

መንግስቲ ሶማልያ፣ንሞቃዲሾ ተቆፃፂረያ‘ለኹ፣እታ ከተማ‘ውን ዘተኣማምን ሰላም ኣለዋ‘ዩ ዝብል።ዋና ፀሓፊ ማሕበር ጋዜጠኛታት ሶማልያ መሓመድ ኢብራሂም ግና ምስ‘ቲ ኣባሃህላ ኣይሰማምዕን።

“መንግስቲ ንቅትለታት እንተዘይተቆፃፂሩን ንገበነኛታት ናብ ፍርዲ ክሳብ ዘየምፀኦምን፣ሞቃዲሾ ንጋዜጠኛታት ተተኣማምን‘ያ ዝብል እምነት የብለይን። ከምመጠን ማሕበር ጋዜጠኛታት፣ገና ዘይተታኣማምን ከተማ‘ያ“ዝብል ገምጋም ኣለዎ ኢብራሂም።

ጉጅለታት መሰላት ሚድያ፣ሶማልያ ንጋዜጠኛታት ኣዝያ ሓደገኛ ሃገረ-ኣፍሪቃ ኢሎም‘ዮም ዝገልፅዋ።

ተሓላቂ መሰል ጋዜጠኛታት ሲፒጄይ ኣብ‘ዚ ቅነ‘ዚ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፣ ”ደባይ ተዋጋእቲ ኢትዮዽያ ኣብ ሓንቲ ከተማ ሶማሊላንድ ኣለው ዝብል ናይ ሓሰት ፅሑፍ ኣውፂኡ ኢሉ ንዝከሰሶ ጋዜጠኛ መሓመድ ዓብዲ- ራሒም ኣሲሩ ከምዝቀጥቀጦ” እቲ ዜና ይገልፅ።

XS
SM
MD
LG