ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንዳዕሽ ዝድግፉ እስላማዊያን ኣብ ሱማሊያ ዞባ ፑንትላንድ ንሓንቲ ከተማ ሒዞም


ንዳዕሽ ዝድግፉ እስላማዊያን ኣብ ሱማሊያ ዞባ ፑንትላንድ ፈላመይቶም ዝኾነት ዓባይ ከተማ ከምዝተቖፃፀሩ ሰበስልጣንን ነበርትን ንቪኦኤ ገሊፆም።

እቶም ፅንፈኛታት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናብ እትርከብ ከተማ ቓንዳላ ብምንቅስቓስ ሎማዕንቲ ንጉሆ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ውግእ ተቖፃፂሮምዋ ኣለው።ካብ ቦሳሶ ብኣንፈት ምብራቕ 90 ኪሎ ሜትር ሪሒቓ ትርከብ።

ሰበስልጣን ምምሕዳር ፑንትላንድ ካብታ ከተማ ወፂኦም ኣለው።ኣማሓዳሪ እታ ከተማ ካማ መሓመድ ሙሚን እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዳዕሽ ከም እትርከብ ንቪኦኤ ኣረጋጊፆም ኣለው።

ኣስታት 60 ዕጡቓት ናብታ ከተማ ብምእታው ኣብ ፖሊስ ጣቢያን ካሊእ ታሪኻዊ ህንፃን ባንዴራ ምስቓሎም ሓደ ነበሪ ንቪኦኤ ገሊፁ’ሎ።

ካብታ ከተማ ክወፁ ሽማግሌታት ዓዲ ንቶም ዕጡቓት እንተሓተቱዎም እውን ኣይንወፅእን ምባሎም እቲ ነባሪ ተዛሪቡ።

ብሸኽ ዓብዱካዲር ሙሚን ዝምራሕ ኣብ ሰሜን ምብራቕ ሱማሊያ ዝርከብ ኣኽራሪ ጉጅለ ንዳዕሽ ከምዝድግፍን ተኣማንነቱ ንኣቡ ባክር ኣል-ባግዳዲ ከምዝኸውን ቅድሚ ዓመት ኣዊጁ።ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ንሙሚን ዓለምለኽ ኣሸባሪ ኢሉ መዲቡዎ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG