ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንሰለስተ ሰሙን አቋሪጹ ዝነበረ አገልግሎት ኢንተርነት ሶማል ዳግማይ ጀሚሩ


መምሃሪ ኮምፒተር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሶማል
መምሃሪ ኮምፒተር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሶማል

ንሰለስተ ሰሙን ተቋሪጹ ዝነበረ ኣገልግሎት ኢንተርነት ሶማል ሶኑይ 17 ሓምለ,2017 ዳግማይ ጀሚሩ። እቲ ኣገልግሎት ኣብ ትሕቲ ማያት ዝሓልፍ መሰመራት ኣገልግሎት ኢንተርነት ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ከምዝተቋረጸ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ሚንስትር ቴሌኮሚኒኬሽን ሶማል ዓብዲ አንሹር ሓሰን ካብ ዋና ከተማ ሞቃዲሾ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ” ጠንቂ ምቁራጽ አገልግሎት ኢንተርነት ዝነበረ ጸገም ቴክኒክ ተፈቲሑ ኣገልግሎት ጀሚሩ’ሎ” ኢሎም።

ኣብታ ሃገር ንሰለስተ ሰሙን ዘጋጠመ ምቁራጽ አገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ማእከላይ ክፍል እታ ሃገር ዝነበሩ 6.5 ሚልዮን ሰባት ብኣሉታ ዝጸልወ ምኳኑን፡ ገለ ካብቲ በቲ ምቁራጽ ዝተጸልወ ንጥፈታት ቱሪዝም፡ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝለ ኽ ገንዘብን ምኳኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ንሰለስተ ሰሙን አቋሪጹ ዝነበረ አገልግሎት ኢንተርነት ሶማል ዳግማይ ጀሚሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:33 0:00

ብመሰረት ካብ መንግስታዊ ትካላት እታ ሃገር ዝተረኽበ ሓበሬታ ካብ ወጻኢ ዝለአኽ ዝነበረ ገንዘብ ናይ ትሸዓት ሚልዮን ዩሮ ኪሳራ ምግጣሙ ይገልጹ።

እቲ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዝተቋረጸ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መርከብ መልህቓ ኣብቲ መስመራት ኢንተርነት (ፋይበር ኦብቲክ) ኣብ ዝሰንደወትሉ እዋን ዘጋጠመ ምኳኑ ይፍለጥ።

ነቲ ንዓመታት ብግጭት ዝተሓመሰት ሶማል ኣብ ጽላት ቴሌኮሚኒኼሽን ትስስን ዘላ ኮይና ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት እታ ሃገር ዝኻየድ ንጥፈታት ንግዲ’ውን ኣገዳሲ ረቋሒ’ዩ።

ብመሰረት ሪፖርት ዓለምለኸ ባንክ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝልኣኽ ገንዘብ ንሓደ ርብዒ ሓፈሻዊ እቶት ውሽጢ ሃገር ከምዘጠቓልል ይሕብር።

ኣብ ዋና ከተማ’ታ ሃገር ዝርኸቡ መንእሰያት ዳግማይ ምጅማር ኣገልግሎት ኢንተርነት ብዓብይ ጽንብል ተቐቢሎሞ’ለው።

XS
SM
MD
LG